75 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብሓደጋ መኪና ሞይቶም

TMP – 10/03/2017

ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝነቐሉ ኣስታት 75 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዶባት እተን ሃገራት ብሓደጋ መኪና ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሩ።

እቲ ህልቂት ብ 25 ለካቲት ተቓሪቦም ኣብ ዝተኸስቱ ክልተ ሓደጋታት መኪና ዝሰዓበ ከምዝኾነ እቲ ሓበሬታ የነጽር።

78 ኤርትራውያን  ስደተኛታት ኣሳፊራ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ዶብ ሱዳን ዝብጽሐት ናይ ጽዕነት መኪና ድሕሪ ምግምጣላ 51 ሰባት ሻቡ ሂወቶም ክስእኑ እንከለዉ ነቶም ኣካላዊ መቚሰልቲ በጺሑዎም ብሂወት ዝተረፉ 27 ስደተኛታት ገዳርፍ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል  እተግዕዝ ዝነበረት መኪና ብተመሳሳሊ ሓደጋ ድሕሪ ምግምጣላ እዉን ሂወት 25 ቁሱላት ከምዝጠፍአ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ካብቶም ሓደጋታት ብሂወት ዝወጽኡ 2 ሰባት ጥራይ ምዃኖም ዘነጸረ እቲ ሓበሬታ ፥ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዝርከቡ የረድእ ።

እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ብደለልቲ ተኣኣኪቦም ናብ ኣሰጋገርቲ ዝተረከቡ ከምዝኾኑ ይንገር።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሰቃቒ ተርእዮ ክርኢ ኣብ ሂወቱ ንፈለማ ከምዝኾነ ዝሓበረ ናይ ጸጥታ በዓል ስልጣን ዞባ ገዳርፍ ኣልዳውድ ስዒድ መሓመድ፣ ኣባላት ጸጥታ እታ ዞባ ነቶም ስደተኛታት ዝኣከቡን ዘሰጋገሩን ምዃኖም ንዝተለለዩ 7 ገበነኛታት ከምዝመርሕ ዝተነግረሉ ዉልቀሰብ ቀይዶም ከምዘለዉ ኣረዲኡ።

ደለልቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ናብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት እንዳኣተዉ ካብ ኢትዮጵያ  ብመንገዲ ሱዳንን ኪንዮኡን ናብ ኤውሮጳ ውሑስ መንገዲ ከምዘሎ እንዳእመኑ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ኣሰጋገርቲ ከምዘተሓሕዙ ይግለጽ።