ኣውስትሪያ ንዝተነጽጉ ሓተቲ ዑቕባ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክትከልኦም ትምድብ
TMP – 17/03/2017
ሃገራዊ ባይቶ እውስትሪያ ፥ ባይቶ ሚኒስተራት ኣታ ሃገር ንዘሕለፉዎ ናይ ዑቕባ ጠለባቶም ተነጺጉ ካብታ ሃገር ከይወጹ
ንዝሓንገዱ ስደተኛታት መሰረታዊ ጠለባት ሂወትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ክሕረሞም ዝደፍእ ኣማመ ናብ ሕጊ
ከጽድቖ ትጽቢት ይግበረሉ ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣረዲኡ።
ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዎልፍጋንግ ሶቦትካ ከምዝሓበሮ፣ ናይ ዑቕባ ጠለቡ ተነጺጉ ክንሱ ካብታ ሃገር
ምልቃቕ ዝኣበየ ስደተኛ ካብ መጽለሊን መግብን ዘሐርዎ ተረርቲ ሳዕቤናት ክጽበዩዎ ከምዝኾኑዩ።
መንግስቲ እታ ሃገር ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ነጻ መጽለሊ፣መሰረታዊ ጠላብት ሂወት፣ ኣገልግሎታት ጥዕና
ከምኡ’ውን ናይ 40 ኤሮ ንኡስ ክፍሊ ወርሓዊ ከምዝህብ ይግለጽ። ናይ ዑቕባ ጠለባቶም ዝተነጽጉ ስደተኛታት ኣብ
ኣውስትሪያ ከጽንሖም ዝኽእል ዝኾነ ምኽንያት ስለዘየሎ ካብታ ሃገር ክለቁ ጥራይ ከምዝግበኦም ዘተሓሳሰበ
ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጉዳያት ዎልፍጋንግ ሶቦትካ ፥ ካብ ሃገር ምውጻእ ዝሓንገዱ ስደተኛታት ክልገሱሎም ዝጸንሑ
ኣገልግሎታት ክዕገቶም ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
እቲ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ዑቕባ ጠላባቶም እወታዊ ምላሽ ንኽረክብ ብዛዕባ
ኩነታቶምን ጠንቂ ስደቶም ግጉይ ሓበሬታ ዝሃቡ ስደተኛታት ተሪር መቕጻዕቲ ዘንጽፍ’ዉን እዩ። ብመጸረት ሓበሬታ
ሮይተርስ፣ እቲ እማመ ነቶም ጉዳዮም ብሓሶት ዘቕረቡ ስደተኛታት ናይ 3 ሰሙናት ጽኑዕ ማእሰርቲን ክሳዕ 5,000 ኤሮ
ገንዘባዊ መቕጻዕቲን ክግድድ እዩ።
እኹል ሰነዳት ዘይሓዙ ስደተኛታት ቅድሚ ምጥራዞም ዝቕየዱለን ማእከላት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ምቛም እውን ሓደ
ኣካል ናይቲ እማመ ከምዝኾነ መንግታውያን ምንጭታት ይሕብሩ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ዶባዊ ጸጥታ ኣባላት ሃገራት ሕብረቱ ንምውሓስ ዝከኣሎ ይሰርሕ ከምዘየሎ እትኣምን ኣውስትሪያ፣
ናብቲ 15 ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ዘቖሞኦ ብ ‘ፕሮጀክት ምክልኻል ዶባት ባልካን’፣ ዝጽዋዕ ዋሕዚ ስደተኛታት
ንምግታእ ዝነቐለ ወተሃደራዊ ቀጽሪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት ምጽንባራ ይፍለጥ።
“ዶባት ኤውሮጳ ሕብረት ከምቲ ዝድለ ተዋሒሱ ኢልና ስለዘይነኣምን ናብዚ ብመንገዲ ዶባት ሃገራት ባልካንን ቪስግራድን
ዝብርኽ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ብሓባራዊ ተበግሶ ንምግታእ ዝቖመ ቀጽሪ ተጸንቢርና ክንሰርሕ ተበጊስና ኣሎና፡”
ይብል ሚኒስተር ምክልኻል ኣውስትሪያ ሃንዝፐተር ዶስኮዚል ምስ ጀርመናዊት ጋዜጣ ዲዪ-ቨልት ኣብዘካየዶ ቃለ-
መሕትት።
ኣብ ሽዑ እዋን ፣ ሃገሩ ናብ ካልኦት ሃገራት እቲ ማሕበር ሰራዊት ብምስዳድ ሓለዋ ዶባት እተን ሃገራት ንምድራዕ ዘኽእላ
ሕጊ ንምጽዳዕ ናብ ሃገራዊ ባይቶ እማመ ኣቕሪባ ከምዘላ እዉን ሓቢሩ ነይሩ’ዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ