ዓመት ድሕሪ ስምምዕ ቱርኪን ሕብረት ኤውሮጳን ስደተኛታት ቈልዑ ይሳቐዩ

ዓመት ድህሪ’ቲ ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን ቱርኪን ዝተፈረመ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኤውሮፓ ዝዓለመ ዝምምዕ፡ ስደተኛታት ህጻናት ንኽጥረዙ፡ ክእሰሩ፡ ክምዝመዙን ክሳቐዩን ዘገድድ ዝከፍአ ኩነታት ይገጥሞም ከምዘሎ ማዕከን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ገሊጹ።
 
ካብ መጋቢት 2016 ንድሕሪት ቁጽሪ ናብ ኤውሮጳ ዝውሕዙ ስደተኛታት ህጻናት ብሓፈሻ ቐኒሱ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ነዞም ቈልዑ ዘጋጥሞም ስግኣታትን ሽግርን ወሲኹ እዩ፡” ይብል ዞባዊ ኣላዪ ዩኒሴፍ ኣፍሻን ክሃን።

መንግስቲ ግሪኽን ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ዝሰርሑ መሳርኽቱን ብዙሕ ጽዒሮም’ኳ እንተዀኑ፡ ፍርቂ ናይቶም 2,100 ኣብ ግሪኽ ተዓጊቶም ዘለዉ ህጻናት ኣብ ዘይምቹእ ኩነታት ተታሒዞም ወይ ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ማሕቡሳት ተዳጒኖም ይርከቡ።

ስደተኛታት ብምዃኖም ዝዳጐኑ ህጻናት ይበዝሑ ምህላዉ ኣዝዩ የሰክፈና።”

“ኣብ ብዙሓት ሃገራት ህጻናት ንዝተናውሐ እዋን ኣብ ዘይቅቡል ኣተሓሕዛ ኽእሰሩ ንርኢ ኣለና፡” ይብል ኣካያዲ ህጹጽ ሓደጋ ዩኒሴፍ ሉችዮ ሜላንድሪ።

ሰራሕተኛታት ዩኒሴፍ ኣብ ግሪኽ እቶም ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ህጻናት ብርቱዕ ጭንቀትን ጸቕጥን፡ ከምኡውን ጐነጽን ዓመጽን ከምዘርእዩ ይገልጹ።

ቡዝሓት ካብቶም ኣብ ግሪኽ ተደርብዮም ዘለዉ ቘልዑ ንዓመታት ትምህርቲ ዘቋረጹ እዮም። ነዚ ጉዳይ ንምዕራይ ዩኒሴፍ ንሚኒስትሪ ትምህርቲ ግሪኽ እናደገፈ፡ እቶም ህጻናት ኣብ ናይ ግሪኽ ቤትትምህርትታት ዝጽንበሩሉ መገዲ የናዲ ኣሎ።