ናይጀርያውያን ደቀንስትዮ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ፋይቶትነት ክዋፈራ ይግደዳ
ኣሽሓት ስደተኛታት ናይጀርያውያን ኣንስትን ኣዋልድን ኣብ ኢጣልያ ናብ ፋይቶትነት ክኣትዋ ኣብ ዝግድድ ሓደጋ ኸምዝርከባ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ብኣይ ኦ ኤም ዝቐረበ ጸብጻብ ቁጽሪ ናይተን መብዛሕትአን ትሕቲ ዕድመ ዝዀና ኢጣልያ ዝበጽሓ ናይጀርያውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ካብ ብልዑል መጠን እናወሰኸ ካብ 1,454 ኣብ 2014 ናብ 11,000 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በጺሐን ኣለዋ። እቲ ውድብ 80% ካብተን ኢጣልያ ዝበጽሓ ብኣሰጋገርቲ ተታሊለንን ተገዲደንን ኣብ ጾታዊ ርክብ ክሰርሓ ኸምዝግደዳ ይግምት።
“እዘን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዘዝነኣሳ ዝኣትዋ ዘለዋ ደቀንስትዮ ንጾታዊ ምዝመዛ እየን ናብ ኢጣልያ ዝውሰዳ፡” ይብል ኣፈኛ ኣይ ኦ ኤም ፍላቭዮ ዲ ጃኮሞ።
“ብዘይሕጋውያን መጋየሽቲ ተወሲደን ኣብ ጐደናታት ኢጣልያ ፋይቶት ክዀና ይግደዳ። ክሳብ እቲ ንሕና ንፈልጦ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ናብ ካልኦት ከም ስጳኛ፡ ፈረንሳን ኦስትርያን ዝኣመሰላ ሃገራት ይሰድወን እዮም፡” ይብል ዲ ጃኮሞ።
መብዛሕትአን ካብተን ናይጀርያውያን ደቅንስትዮ ካብ ኣውራጃ ኢዶ ዝብገሳ ደቂ ድኻታት ስድራቤታት እየን። ኣብቲ ብኒጀር ኣቢለን ናብ ሊብያ ዝበጽሓሉ ነዊሕ ጉዕዞ ምስቶም ዘይሕጋውያን ኣግየሽቲ እትትኣሳሰር ኣማጻኢት ተሰንየን።
“እናበዝሓ ዝኸዳ ዘለዋ ዓቕሚ ሰብ ዘይበጽሓ ስደተኛታት ፋይቶትነት እንታይ ብዛዕባ ምዃኑውን ኣፍልጦ ዘይብለን፡ ወሲብ እንታይ ምዃን ዘይፈልጣ እየን፥” ይብል ዲ ጃኮሞ።
ሰበስልጣን ኣይ ኦ ኤም ኣብ መሰጋገሪ ነጥብታት እናረኸቡ ካብቶም ሓደገኛታት ዘይሕጋውያን መጋየሽተን ከድሕንወን ይፍትኑ እዮም። ነቶም ካብ ሰንሰለት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ንዝሃድሙውን ዝሕግዝ ኣይ ኦ ኤም፡ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ብዛዕባ ጉዳያት 425 ናብ ፋይቶትነት ክኣትዋ ዝተዓመጻ ደቅንስትዮ ንፖሊስ ሓበሬታ ሂቡ እዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ