ሕሉፋት ዓቃባውያን ምድሓን ስደተኛታት ክዓግቱ ይፍትኑ

ከንቲባ ኢጣልያዊት ደሴት ሲቺልያ፥ ዝሓለፈ ወርሒ ብሕልፋት ዓቃባውያን ዝተመዝገበት መርከብ ኣብ ወደብ ከይተዕርፍ ክኽልክላ ፈቲኑ። እታ መርከብ “ወለዶ መንነት” ዝብሃሉ ኣንጻር ምስልምናን ኣንጻር ምቕባል ስደተኛታትን ዝዀኑ ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝተኣከቡ፡ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኸይኣትዉ ክኽልክሉ ዝደልዩ ጉጅለ መንእሰያት ዝተኻረይዋ እያ።

ከም ክፋል ናይቲ “ምክልኻል ኤውሮጳ” ዝብል ዘመተ ዝተዋጽአ ገንዘብ ኣኪቦም እዮም ነታ መርከብ ኣብ ጂቡቲ ተኻርዮማ። ኣብ ናይ ፈተነ ወፍሮም፡ ብሓምለ ንሓንቲ ናይ ገበርቲ ሰናይ ጃልባ ብዓወት ከምዝዓገትዋ ገሊጾም እዮም።

ዕላማ እቶም ናይዚ ጉዳይ ተንቀሳቐስቲ ‘ገበነኛታት’ ብዝብልወን፡ ንኣስገርቲ ናብ ኤውሮጳ ስደተኛታት ከግዕዙ ከምዝተሓባብርኦም ብዝኸስወን ገበርቲ ሰናይ ትካላት ምድላይን ምድሓንን ህይወት ንዝፍጸም በደል ምቅላዕ እዩ። ብተወሳኺ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብምሕባር ነቶም ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ኸምዝመልስዎም ብምግባር ንስራሕ እዘን ትካላት ከተዓናቕፍዎ ይደልዩ።

ኣብዚ ዓመት እዚ ልዕሊ 2,400 ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ኽሰግሩ ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ። ብዙሓት፡ ኣብ ንባሕሪ ዘይበቕዓን ሰንኮፋትን ነቲ ጉዕዞ ብሰላም ክበጽሕኦ ኣብ ዘይክእላ ጃላቡ ተጫቓጪቖም እዮም ንጕዕዞ ዝብገሱ።