ሓካይም ብዘይዶብ ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ሊብያ ዘሎ ኹነታት ዘስካሕክሕ ምዃኑ ይገልጽ

ኣህጉራዊ ማሕበር ሓካይም ብዘይዶብ (ኤም ኤስ ኤፍ) ኣብ መዳጐኒታት ኣብ ሊብያ ዘለዉ ስደተኛታት ብሰንኪ ኣዝዩ ብርቱዕ፡ ጥዕና ዘይብሉን ዓመጽ ዝበዝሖን ኰንታት ከምዝሳቐዩ ገሊጹ።
ኤም ኤስ ኤፍ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም እሱራት ንኸም ውጽኣት፡ ቁማልን ተላጋቢ ዘሕክኽ ሕማም ቈርበትን ከምዝሳቐዩ ኣረዲኡ።
“እቶም እሱራት ከም ሰባት ዝዀነ ይኹን ክብረት የብሎምን፡ ንዓማጺ ኣተሓሕዛ ዝተቓልዑን ስእነት ኣገልግሎት ሕክምና ዘለዎምን እዮም፡” ትብል ኣማኻሪት ሕክምና ኣብ ኤም ኤስ ኤፍ ዝዀነት ዶክተር ሲቢል ሳንግ።
እቲ ጉጅለ ሓካይሙ ኣብ ትሪፖሊ ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከላት ንዘተታሕዙ ስደተኛታት ክከናኸን ዝጸንሐ ማሕበር ነቲ ኣሰቃቒ ኩነታት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክከታተሎ ጸኒሑ እዩ።
“ብዙሓት መዳጐኒ ማእከላት ውሱን ብርሃን ዝረኽቡን ዑደት ኣየር ዘይብሎምን፡ ክሳብ ሓደገኛት ደረጃ ዝተጨቓጨቑን እዮም። ንእሱር ዝብጽሖ ቦታ ኣዝዩ ጸቢብ ስለዝዀነ፡ ብለይቲ ኣካላቶም ክዝርግሑውን ኣይክእሉን እዮም። ዋሕዲ መግቢ ኣብ እኹላት ሰባት ዓጸቦ ኣስዒቡን፡ ገለ በቲ ጉዳይ ዝሓመሙ ብቕልጡፍ ናብ ሆስፒታል ምኻድ ኣድልይዎምን እዩ፡” ይብል እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ።
ኤም ኤስ ኤፍ ነቲ መዳጐኒ ማእከላት ከም “ሃሳዪን መዝማዝን” እዩ ዝገልጾ። ምክትታልን ምቍጽጻርን ከምዘየሎን መሰረታዊ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ግፍዕን ዝኽልክሉ ውሕስነታት ከምዘይክበሩን ይገልጽ። ወግዓዊ ምዝገባን ግቡእ ኣተሓሓዛ መዝገብን ኣብ ዘይብሉ፡ ናብቲ መዳጐኒታት ዝኣተዉ ሰባት እንታይ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ክፍለጠሉ ዝኽእል ኣገባብ የለን። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ስደተኛታት ካብ መዳጐኒ ናብ ካልእ መዳጐኒ ወይ ውን ናብ ዘይተገልጸ ቦታታት ክሰጋገሩ ይኽእሉ። ገሊኣቶም ብዘይኣሰር ይስወሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ኤም ኤስ ኤፍ ሕክምናዊ ጉጅለታት ኣብ ትሪፖሊ ናብ ዝተፈላለየ መዳጐኒ ማእከላት በብሰሙን እዮም ክበጽሑ እዮም ጸኒሖም።