ሊብያ፥ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከም ገላዩ ይሽየጡ
TMP -22/04/2017
ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ሓያሎ ስደተኛታት ከም ባራዩ ክሳዕ 500 ዶላር ኣሜሪካ ብዝበጽሕ ዋጋ ኣብ ዕዳጋታት እታ ሃገር ክዕደጉን ክሽየጡን ይረአ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ስክፍታኡ ገሊጹ።
እቶም ንባርነት ዝሽየጡ ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ ከበድቲ ናይ ጉልበት ስራሓት ክሃልኲ፡ ጾታዊ ምዝመዛ ክወርዶም ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ስድራቤቶም ተወሳኺ ገንዘብ ከፊሎም ከልቅቕዎም ካብ ወነንቶም ከምዝጥለቡ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ነዚ ኣሰካፊ ሓበሬታ ዘውጸአ፡ ምስ ኣብ መጸገኒ መካይንን ክፉት ከባቢታትን ከተማ ሳብዓ ናይ ሊብያ ንዘመናዊ ጊላነት ከምዝተሸጡ ንዝሓበሩ ገለ ዜጋታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምዝርራቡ እዩ። ከተማ ሳብዓ ካብ ዓበይቲ መናሃርያ ጉጅለታት ዘይሕጋዊ ንግዲ ድቅ-ሰብ ከምዝኾነት እዩ ዝንገር።
ሓላፊ ጨንፈር ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ኣብ ሊብያ ዑስማን በልቤሲ ከምዝሓበሮ፥ ስደተኛታት ካብ 200 ክሳዕ 500 ዶላር ኣሜሪካ ብዝበጽሑ ዋጋታት ከም ተራ ኣቕሓ ይሽየጡ ምህላዎም እዩ። ንሱ ወሲዂ፡ ምሻጥን ምዕዳግን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ልሙድ ተርእዮ እንዳኾነ ይመጽእ ከምዘሎ፥ ናይዚ ከንዲ ምኽንያት ድማ ኣብታ ሃገር ዝነጥፋ መርበባት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ ልዕሊ ካልእ እዋን ይሕይላ ብምህላወን ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።
እቶም ብገንዘብ ዝዕደጉን ዝሽየጡን ዘለዉ ስደተኛታት ብወነንቶም ሕሱም ኣተሓሕዛን ጾታዊ ዓመጽን ክወርዶም፥ ደቅንስትዮ ድማ ናብ ግዱድ ምንዝርና ክወፍራ ከምዝግበር እቲ ሊብያዊ በዓል መዚ ካብ ግዳይት ንዝተረኽበ ሓበሬታ መርኲስ ብምግባር ይገልጽ።
ከም ጊላ ተሸይጡ ዝነበረ ሰኔጋላዊ ስደተኛት ንሰራሕተኛታት ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ስደተኛታት ኣብ ዕዳጋታት ሊብያ ምስ ተዓደጉ ናብ ተንቀሳቐስቲ መዳጎኒ ማእከላት ከምዝውሰዱ ፥ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊትን ኣዚዩ ንኡስ መግቢን ከቢድ ጉልባታዊ ስራሕ ከምዝዓሙ፥ ኣብ መውዳእታ ድማ ካብ ስድራቤቶም ካብቲ ዝተዓደጉሉ ዋጋ ብዝተዓጻጸፈ መጠን ክኽፈለሎም ከምዝጥለብ የረድእ።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ካብ ግዳያት ዝኣኮቦም ቃላት ምስክርነት ከምዘመልክትዎ እዉን ፡ ነቲ ዝተጠልበ መጠን ገንዘብ ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ስደተኛታት ብወነንቶም ክቕተሉን ብስእነት መግብን ጽምእን ተሰኒፎም ክሞቱ ኣብ ቃልዕ ከምዝድርበዩን’ዩ።
ሓላፊ ተልእኾታት እቲ ውድብ ዝኾነ መሓመድ ዓብዲቀድር ንጋዜጣ ዘ ጋርዲያን ከምዝሓበሮ ፡ እቲ ተርእዮ ኣዚዩ ሕሱም ከምዝኾነ፡ ሊብያ ስንጭሮ ንብዓትን ቁዘማን ስደተኛታት ኮይና ምህላዋ ድማ ምስ ምዕባይ ተልእኾታት ዝርጋሔን ውድቡ ናብታ ሃገር ይረጋገጽ ከምዘሎ ኣስሚሩሉ።
“ዛጊት ኣረጋጊጽናዮ ዘሎና ሓቂ፣ ስደተኛታት ናብ ኢድ ኣሰጋገርቲ ካብ ዝወደቚላ ሰዓት ፡ ንጥሜት፡ ጾታዉን ኣካላዉን መዝመዛ ከምኡ’ውን ንመቕተልቲ ዝተቓልዑ እዮም፡” ይብል ዓብዲቀድር።
ኣባላት ጨንፈር ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ኣብ ኒገር ዝኾነ ጂዩሰፐ ሎፕሬተ ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሊብያ ብዝብርኽ ዘሎ ዘየቕስን ኩነታት ተዳፊኦም ነናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝመርጹ ዘለዉ ስደተኛታት ምስ ምዝያዱ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸሙ በደላት ሕሱማት ከምዝኾኑ ዘረድኡ ዛንታታት ይብርዂ ምህላዎም፥ እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ይብእስ ብምህላዉ ድማ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ብመንገዲ እቶም ካብታ ሃገር ዘርሕቚ ዘለው ስደተኛታት ክስምዑ ዝኾኑ ቃላት-ምስክርነት ክዛይዱ ምዃኖም ይገልጽ።
ኣብ ሊብያ ዝብርኽ ካብ ዘሎ ጸጥታዊ ውድቀት ሃዲሞም ናብ ጎረቤት ሃገር ቱኒዝያ ዝዑቆቡን፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ብመስርሕ ወለንታዊ ምምላስ ነናብ ሃገሮም ክኸዱ ንኣህጉራዊ ውድብ ስደት ጠለቦም ዘቕርቡን ናይ ዘለዉ ስደኛታት ቊጽሪ ይዓቢ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ