70 ሚእታዊት ካብ ኢጣልያውያን ሃገሮም ልክዑ ዝሓለፎ ብዝሒ ስደተኛታት ኣስፊራ ኣላ ኢሎም ይኣምኑ

ልዕሊ 70 ሚእታዊት ካብ ኢጣልያውያን ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ኣሉታዊ ጽልዋ ኣስዒቡ ከምዘሎን ፡ ሃገሮም ልዕሊ ግቡእ ዝኾነ ብዝሒ ስደተኛታት ኣስፊራ ምህላዋን ከምዝኣምኑ ኢፕሶስ ሞሪ (Ipsos-MORI) ብዝተባህለ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝመደበሩ መጽናዕታዊ ትካል ዝቐረበ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይዚ ዓመት ዝወጽአ ጸብጻብ፡ 4 ካብ 10 ኢጣልያውያን እውን ስደተኛታት ንቚጠባን ዕድላት ስራሕን እታ ሃገር ይጫረትዎ ከምዘለው ይኣምኑ።
“እቲ መጽናዕቲ ኣነጺርዎ  ዘሎ ሓደ ሓቂ ፡ ህላዌ ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ኣድላዪን ንሃገሮም ድማ ጠቓምን ከምዘይኮነ ናይ ዝኣምኑ ኢጣልያውያን ቊጽሪ ብዕጽፊ ዛይዱ ከምዘሎ እዩ፡” ይብል ዳይረክተር ምሕደራ መጽናዕታዊ ትካል ኢፕሶስ ሞሪ ዝኾነ ቦቢ ዳፊ።
እቲ መጽናዕቲ ፡ ኢጣልያውያን መንግስቶም ኣብ ጉዳይ ስደት ክኽተሎ ዘለዎ ሜላ ከመይ ምዝመስል’ውን ዘንጸባረቐ እዩ ነይሩ። ሓላፊ ኢፕሶስ ሞሪ ዝኾነ ናንዶ ፓኞንቸሊ ንኢጣልያዊ ትካል ዜና ANSA ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 67 ሚእታዊት ካብ ኢጣልያውያን ሃገሮም ካብ ልክዑ ዝሓለፎ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝከላኸል ተሪር መንግስቲ ከምዝድልያን ዋሕዚ ስደተኛታት ድማ ከም መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ከምዝወስድዎ እዩ።

ብ ዩ-ጋቭ (YouGov ) ከምኡ’ውን ስታቲስታ (Statista) ዝተባህላ ናይ መጽናዕቲ ኣካላት ኣቐዲሞም ዝወጽኡ ተመሳሰልቲ መጽናዕትታት ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ክቱር ጽለኣት ካብ ዘለዎም ኤውሮጳውያን -ዜጋታት ጥልያን ኣብ ቅድሚት ከምዝስርዑ እዩም ዝሕብሩ።
ጥልያን ካብተን ብዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብቐዳምነት ተጸልየን ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝኾነት ዝሕብሩ ጸብጻባት፡ ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣዚዩ ውሒዱ ተባሂሉ ናብ ኤውሮጳ ዛጊት በጺሑ ካብ ዘሎ ቊጽሪ ስደተኛታት እቲ 85 ሚእታዊት ናብ ጥልያን ዝኣተወ ምዃኑ የረድኡ።