ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ወጺኦም ክሰርሑን ክነብሩን መሰል ተዋሂብዎም
ብ17 ጥሪ 2019 ኢትዮጵያ ዘሕለፈቶ ሕጊ ሚልዮን ንዝዀኑ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ወጻኢ ክሰርሑን ክነብሩን ዘፍቅድ እዩ። እዚ ክፋል ናይቲ ኢትዮጵያ ታሕሳስ 2018 ኣህጉራዊ ውዕል ስደት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣተወቶ መብጽዓታት እዩ።
እቲ ሕጊ ስደተኛታት ፍቓድ ስራሕ ከውጽኡ፡ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ክረኽቡ፡ ፍቓድ ምምራሕ መኪና ኸውጽኡ፡ ከም መርዓን ልደትን ዝኣመሰለ ጉዳያት ብሕጊ ኸመዝግቡ፡ ከምኡ ድማ ናይ ባንክ ሕሳብ ክኸፍቱ ዘፍቅድ እዩ። ክሳዕ ሕጂ መብዛሕትኦም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብተን 20 ዝዀና ኣብታ ሃገር ፋሕ ኢለን ዝርከባ መዓስከራት ተወሲኖም ዝጸንሑ ዀይኖም፡ መብዛሕትኦም ክሰርሑ ዘይፍቀደሎም እዮም።
ክሳብ 31 ታሕሳስ 2018 ምዝጉባት ዝነበሩ 905,831 ስደተኛታት ብምዕቋብ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ ኡጋንዳ ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይቲ ዝዓበየት ስደተኛታት እትቕበ ሃገር እያ። ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያ ካብ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ከምኡ ውን ብውሑድ ቁጽሪ ካብ የመንን ሶርያን ብሰንኪ ግጭትን ምስጓጕን ካብ ሃገራቶም ዘምለጡ ስደተኛታት ተዕቍብ።
በዓል መዚ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ “እዚ ሓድሽ ሕጊ ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ረፑብሊክ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ክኸውን ከምዝጸደቐ ኸንፍልጥ ደስ ይብለና፡” ብምባል ኣብ ናይ ፈይስቡክ ቦትኡ ጽሒፉ።
“እዚ ሓድሽ ሕጊ ህይወት ስደተኛታትን ዘአንድዎም ማሕበረሰባትን ከመሓይሽ ምዃኑ ኣትሪርና ንኣምን፡” ይብል እቲ ቓል።
ላዕለዋይ ሽማግለ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኣዝዮም ገስገስቲ ኣገባባት ከምዝዀነ ብምጥቃስ ነቲ ስጕምቲ ብጽቡቕ ተቐቢልዎ። ሓላፊ እቲ ኣካል ዝዀነ ፊሊፖ ግራንዲ፡ “ምሕላፍ እዚ ታሪኻዊ ሕጊ ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ንዓሰርተታት ዓመታት ምቕባልን ምዕቋብን ካብ መላእ እዚ ዞባ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣገዳሲ መቐይሮ እዩ፡” ይብል።
“ኢትዮጵያ፡ ስደተኛታት ኣብ ሕብረተሰብ ዝያዳ ዝተወሃሃዱ ከምዝዀኑ ብምግባር ንኣህጉራዊ ናይ ስደተኛታት ሓላፍነታታ ጥራይ ዘይኰነት እትስከም ዘላ፡ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ከም መርኣያ ተገልግል ኣላ፡” ይብል ኣቶ ግራንዲ።
ኣብ ጸብጻብ ሮይተርስ ዝተጠቕሰት ኣፈኛ ላዕለዋይ ሽማግለ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ደይና ህዩስ፡ “እዚ ሕጊ እዚ እቶም ስደተኛታት ቅቡላት ከምዝዀኑን ንጥቕሚ ሕብረተሰብ ከበርክቱ ኸምዝኽእሉን ከምዝስምዖም ዝገብር እዩ፡” ትብል።
“ትምህርትን ስራሕን ምርካብ ንስደተኛታት ጥራይ ዘይኰነ ዘርብሕ ንዕቤት ቁጠባ የብርክትን ነቶም ኣብቲ ኸባቢታት ዝርከቡ ማሕበረሰባት ድማ ይጠቕሞምን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕጊ ምሕላፍ ትኽክል ጉዳይ ጥራይ ዘይኰነ፡ ትኩር ስጕምቲ ውን እዩ።”
ሓላፊ ሽማግለ ወፍሪ ኢትዮጵያ ፍጹም ኣረጋ እቲ ሓድሽ ሕጊ ክፋል ናይቲ 500 ሚልዮን ዶላር ዝተሰልዓሉ ስምምዕ ምፍጣር ስራሕ ምዃኑ ይገልጽ። እቲ መደብ 30 ሚእታዊት ካብኡ ናብ ንኣሽቱ ደቀንስትዮ ዘተኰረ ንስደተኛታት ዝሕዛእ ኣብ ጽላት ሰንዓ ዘዘምበለ 100,000 ዕድላት ስራሕ ክፈጥር ዝተሓንጸጸ እዩ።
“እዚ ንስደተኛታት ዝሕግዝ ንጽላት ኣፍራይነት ኢትዮጵያ ዝድግፍን እዩ፡” ይብል ኣቶ ፍጹም ኣብ ትዊተር።
TMP – 11/02/2019
ስእሊ፦ ስደተኛ ደቡብ ሱዳናዊ መምህር ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኩለ፡ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፤ መጋቢት 2016።
ሰኣላይ፦ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር/ ፔትሪክ ቪኸርስ
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ