ኣህጉራዊ ውዕል ስደት ብ 164 ኣባላት ሃገራት ውድብ ሕቡራት ተቐባልነት ይረክብ
ነቲ መሰል ስደተኛታት ንምውሓስን ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደት ንግታእን ዕላማ ገይሩ ዝተነድፈ ሰነድ ኣህጉራዊ ውዕል ስደት ውድብ ሕቡራት ሃገራት : 164 ካብ 193 ኣባላት ሃገራት ጥራይ ከምዝኸተማሉ ተገሊጹ። እቲ ውዕል ኣብ’ቲ ኣብ ሞሮካዊት ከተማ ማራኪሽ ብ 10ን 11ን ታሕሳስ 2018 ዝተቓንዐ ዋዕላ ውድብ ብሕቡራት ሃገራት እዩ ተኸቲሙ።
እቲ ኣብ ምሕደራ ስደት ናይ ፈለማ ኣህጉራዊ ሰነድ ምዃኑን ብ ‘ኣጠቓላሊ ውዕል ማራኪሽ’ እውን ዝጽዋዕ ዘሎ ውዕል 23 ዕላማታት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ዕድላት ስሩዕ(ሕጋዊ) ስደት ምስፋሕ፡ ዘይስሩዕ (ዘይሕጋዊ) ስግረ-ዶን ምግታእ፡ ከምኡ’ውን ብስራሕ ንዝስደዱ ሰባት ዝከላኸል ስርዓት ምስራዕ ገለ ካብ’ቶም ዕላማታት እዮም።
“እዚ ውዕል ሕሰምን ስርዓት-ኣልቦነትን ዝከላኸል እዩ፡” ክብል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉታረዝ ንቐንዲ ዕላማን ኣገዳስነትን እቲ ኣህጉራዊ ውዕል ኣብሪሁ።
ላዕለወይቲ በዓልቲ-መዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደት ዝኾነት ሊዩዛ ኣርቦር’ውን፡ “ እዚ ኣህጉራዊ ውዕል ንሚልዮናት ሰባት እወታዊ ጽልዋ ክህልዎ እዩ። ንስደተኛታት፡ ብድሕሪት ዝተርፉ ኣባላት ስድራቤት እቶም ስደተኛታት፡ ከምኡ’ውን ነቶም ስደተኛታት ዘቕዑቡ ማሕበረሰባት፡” ትብል።
እንተኾነ ሓያሎ ሃገራት ነቲ ኣህጉራዊ ውዕል ካብ ምኽታም ተቖጢበን ኣለዋ። ኣሜሪካ፡ ኦስትርያ፡ ኣውስትራልያ፡ ቺለ፡ ቸክ ሪፓብሊክ፡ ጥልያን ፡ ሃንጋሪ፡ ፖላንድ፡ ላቲቭያ፡ ስሎቫክያን ሪፓብሊክ ዶመኒካን ገለ ካብተን ሃገራት ኽኾና እንከለዋ፡ እስራኤልን ቡልጋርያን እውን ካብ’ቲ ውዕል ክስሕባ ከምዝኽእላ ኣውኪኤን ኣለዋ።
ሓያሎ ሃገራት፡ እቲ ዘይቀያዲ ምዃኑ ዝተነግረሉ ኣህጉራዊ ውዕል ስደት ንልዑላውነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ ዝብል ስክፍታ እዩ ዘለወን። ዋና-ጸሓፊ ጉታረዝ ከምዝገለጾ ግን፡ እቲ ውዕል ኣብ ልዕልና ሓንቲ ሃገር ዝኾነ ጸቕጢ ዘይፈጥር፡ ኣብ ምትእምማንን ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ዝተሰረተ ከምዝኾነ እዩ።
ቻንስሎር ጀርመን ኣንገላ መርከል ብወገና፡ እቲ ውዕል ዘይስሩዕ ስደት ኽገትእ እምበር ከተባብዕ ዝዓለመ ከምዘይኮነ ጠቒሳ፡ እቲ ውዕል ስሙ ከምዘረድኦ ን ውሑስ፡ ስሩዕን ሕጋውን ዋሕዚ ስደት ድው ዝበለ ምዃኑ ኣዘኻኺራ። ንሳ ወሲኻ፡ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደት ብተናጸል ክሰርሓ ከምዘይብለንን ኣብ ብዙሓዊ ጽምዶ ክኣምና ከምዝግባእን ኣተሓሳሲባ።
ተሓለቕቲ ሰብኣውነት ዝኾኑ ኣካላት፡ እቲ ውዕል ኣብ ምውሓስ ድሕነት ስደተኛታት ክህልዎ ዝኽእል ተራ ልዑል ምዃኑ ብሓጎስ ይገልጻ ኣለዋ። ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ከምዝሓበሮ፡ እቲ ውዕል ንቆልዑ ስደተኛታት ዝሓሸ ናይ ትምህርቲን ጥዕናን ኣገልግሎታት ዘውሕስን፡ ካብ ምዝመዛ ዝኸላኸልን ከምዝኸውን’ዩ።
እቲ ኣህጉራዊ ውዕል ንሃገራት ብሕጊ ዘይቅይድ ብምዃኑ ግና ኣብ ገለ ወገናት ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ። “ እዚ ውዕል እዚ ኣብ ጉዳይ ስደት ዕቱብ ፍታሕ ከምጽእ ንሓስብ እንተሃሊና ፡ እንተወሓደ ብስነ-ምግባርን መትከልን ዝቕይድ ክኸውን ኣለዎ” ይብል ኣህጉራዊ ፈደረሽን ቀይሕ መስቀል።
እቲ ብ 164 ኣባላት ሃገራት ተኸቲሙ ዘሎ ኣህጉራዊ ውዕል ስደት ኣብ’ቲ ኣብ 19 ታሕሳስ ዝቃናዕ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወግዓውነት ድሕሪ ምልባሱ እዩ ከም ኣህጉራዊ ሰነድ ክኸውን ።
TMP – 18/12/2018
ስእሊ፥ UNDESA/ትዌተር። ማራኪሽ፡ ሞሮኮ- ታሕሳስ 10፡ 2018፡ ዋዕላ ኣህጉራዊ ውዕል ስደት ዘአንገደ ኣዳራሽ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ