ኣብያተ ፍርዲ ሱዳን ኤርትራውያን ይጥርዛ

ኣብያተ ፍርዲ ሱዳን ኣብ ነሓሰ ‘ናብ ግዝኣት ሱዳን ዝኣተዉ ዘይሕጋውያን ሰለዅቲ’ ንዝበልኦም ዓሰርተታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ጠሪዘን፡ ካልኦት ድማ ንማእሰርቲ ፈሪደን።
ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ካርቱምን ከሰላን ዝርከባ ኣብያተፍርዲ፡ 44 ደቀንስትዮ ዝርከብኦም 104 ኤርትራውያን ክጥርዛ ኸለዋ፡ ኣርብዓን ሰለስተን ድማ ኣብ ቤትማእርቲ ዀይኖም ፍርዲ ይጽበዩ ኣለዉ።
እቶም ስደተኛታት በቶም ተወርዋሪ ተሓጋጋዚ ሓይልታት ዝብሃሉ ሚሊሻ መንግስቲ ሱዳን እዮም ናብ ሊብያ ኣብ ዝጕዓዙሉ ዝነበሩሉ እዋን ቅድሚ ወርሒ ተታሒዞም ኣብ ኡምዱርማን ኣብ ቤትማእሰርቲ ኽጽበዩ ድሕሪ ምጽናሕ ብ24 ነሓሰ ኣብ ፍርዲ ቐሪቦም።
ብ29 ነሓሰ ኣብ ከሰላ ዝርከብ ቤትፍርዲ ካልኦት 30 መንእሰያት ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ውሳኔ ኣሕሊፉ። 36 ካልኦት ስደተኛታት ናብ ግዝኣት ሱዳን ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምሳዅ ተኸሲሶም ንኽልተ ወርሒ ኽእሰሩ ኽፍረዱ ኸለዉ፡ ኣብ ፍርቂ መስከረም ፍርዶም ምስወድኡ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ እዮም።
ካልኦት 35 ደቅነስትዮ ዝርከብኦም 66 ኤርትራውያን ኣብ ፈለማ ሓምለ ኣንጻር ኣስገርቲ ኣብ ዋድ-ኣል-ሒልዮ ኣብ ዝተኻየደ ግፋ ተታሒዞም ተኣሲሮም ናብ ፖሊስ ኢሚግሬሽን ከሰላ ተረኪቦም ኣለዉ።
ኣማሓዳሪ ሰሜናዊ ዞባ ሱዳን ብሓምለ ዝሓለፈ ዓመት ብዞባኡ ዝሓልፉ ሸቃጦ ኣወለፍቲ ዕጸታትን ብገበነኛታት መርበባት ዝካየዱ ኣሰጋገርቲ ሰባትን  ከምዝበዝሑ ድሕሪ ዘስምዖ መረረ ዞባ ተወርዋሪ ተሓጋጋዚ ሓይልታት ናብ ርሑቕ ምድረበዳታት ዞባ ሰሜን ሱዳን ተዋፊሮም እዮም ጸኒሖም።
ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት እዚ ሚሊሻ ተወርዋሪ ተሓጋጋዚ ሓይልታት ኣብተን መወዳእታት ሾብዓተ ኣዋርሕ ዝሓለፈት ዓመት 1,500 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ሱዳንን ሊብያን ክሰጋገሩ ኸለዉ ኸምዝሓዙ ኣፍሊጦም ኔሮም።
ተወርዋሪ ተሓጋጋዚ ሓይልታት ሱዳን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ብ14 መስከረም 21 ዘይሓግውያን ስደተኛታት ናብ ሊብያ ኽጕዓዙ ኸለዉ ኸምዝሓዙ ኣፍሊጦም።
ከም ክፋል ናይቲ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ህጹጽ ገንዘባዊ ደገፍ ንኣፍሪቃ “ምምሕዳር መስርሕ ስደት ንምምሕያሽ” ከምኡ ድማ “ኣብታ ሃገር ንዝርከብ መሰረት ስደት ዝዀነ መኽንያታት ንምቅላስ” ብዝብል ዝተሰልዐ ገንዘብ፡ ሱዳን ተቐባሊት ናይ 155 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ኤውሮጳዊ ኮሚሽን እያ።