ማእከላይ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ኣብ ባሕሪ ናይ ዝጠፍኡ ሰደተኛታት መንነት ከለልያ መደብ የበግሳ
ኣርባዕተ ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ መንነት ኣሽሓት ናብ ኤውሮጳ ኽሰግሩ ኽፍትኑ ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ስደተኛታት ከለልያ ዘኽእለን መደብ ከምዘበገሳ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዝጠፍኡ ሰባት ብ18 ሚያዝያ ሓቢሩ።
ናብ ኤውሮጳ መእተዊ ስደተኛታት ዝዀና ኢጣልያ፡ ግሪኽ፡ ማልታን ቆጵሮስን 11 ሓምለ ኣብ ሮማ ተኣኪበን ነቲ ንኣሽሓት ጉዳያት ዝጠፍኡ ሰባት ከዕርፍ ተስፋ ዝግበረሉ መደብ ክዝትያሉ እየን። ኢጣልያ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት 8,000 ሬሳታት ካብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኣውጺኣ ኣላ። ሊብያን ግብጽን ከም ተዓዘብቲ ናብቲ ኣኼባ ኽዕደማ እየን።
ኣብ ዝመጽእ ክልተ ዓመት እቲ ኮሚሽን ኣብ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ሰባት ዝረኽበሉን ዘለልየሉን ኣገባብ ክተክል እዩ።
እቲ መደብ ፈለማ ነቲ ኹነታት መምዩ፡ ከም ቁጽሪ ዘይተለለዩ ሬሳታትን እቲ ሬሳታት ኣበይ ከምዝተቐመጠ ወይ ከምዝተቐብረ ዝኣመሰለ ዝርዝራት ከጽንዕ እዩ።
ኣኩል ምወላ እንተረኺቡ፡ እቲ ኻልኣይ ገዝ ናይቲ መደብ ኣብ 2019 ብምጅማር፡ መረጋገጺ ዘርኢ ምልክታት እናወሰድ ምስ ምልክታት ቤተሰቦም ከምዝጠፍእዎም ዘመልከቱ ሰባት ከወዳድሮ እዩ።
እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ኣብተን ኣቐዲመን ዩጎዝላቭያ ዝነበራ ሃገራት ዝነበረ ነውጺ ዝተፈጥረ ዀይኑ፡ 70% ናይቶም ኣብ ግጭታት ባልካን ደሃዮም ዝጠፍአ፡ ከምኡውን 90% ናይቶም ኣብ 1995 ኣብ ሰረብረኒሳ ዝተቐትሉ ሰባት መንነት ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂ ምንባብ ዘርኢ ዓሌት ተጠቒሙ ኣለልዩ ኣሎ።
እዚ ካብ ርሑቓት ኣዝማድ ከይተረፈ ምልክታት ብምውሳድ ሰባት ምልላይ ዘኽእል ስልጡን ቴክኖሎጂ ዘይተመዝገቡ ስደተኛታት ንምልላይውን ክጠቅም ይኽእል እዩ።
“ሕጂ ነዚ ቴክኖሎጂ ደሃይ ንዘጥፍኡ ስደተኛታት፡ እንተላይ እቶም 10,000 ኣብ ኤውሮጳ ደሃይ ዘጥፍኡ ህጻናት ንምድላይ ክንጥቀመሉ ኣብ ንኽእለሉ ኣብ ሓድሽ ደረጃ ኢኣን ዘለና፡” ትብል ብጥቅምቲ እቲ ትካል ካብ ሳራየቮ ናብ ሄግ ኣብ ዝገዓዘሉ ሓላፊት ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዝጠፍኡ ሰባት ካትሪን ቦምበርገር።
ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት፡ ካብ ምእታው እዚ ዓመት 18,000 ዝበጽሑ ስደተኛታት ብባሕሪ ኣቢሎም ኤውሮጳ ክኣትዉ ኸለዉ፡ እንተወሓዱ 559 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኸምዝሞቱ ወይ ከምዝጠፍኡ ተሰኒዱ ኣሎ።
TMP – 19/05/208
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ