ጀርመናዊት ጋዜጣ ዝርዝር ኣስማት 33,000 ኣብ መገዲ ዝሞቱ ስደተኛታት ሓቲማ

ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ዝተታሕዙ ስደተኛታት – ስእሊ፦ ጌቲ ኢሜጅስ

ሓንቲ ጀርመናዊት ጋዜጣ፡ ንሓደገኛነት እቲ ቐታሊ ጉዕዞ ንምጕላሕ ዝርዝር ኣስማት 33,293 ኤውሮጳ ኽበጽሑ ኽፍትኑ ኽብሉ ዝሞቱ ስደተኛታት ሓቲማ።

እቲ ዝርዝር ብፍልጥቲ ቱርካዊት ስነጥበበኛ ባኑ ጀነቶሉ ዝተዳለወ ዀይኑ፡ ኣስማት፡ ዕድመ፡ ጾታ፡ ዜግነትን ጠንቂ ሞትን ካብ 1993 ክሳብ ሰነ 2017 ናይ ዝሞቱ ስደተኛታት የጠቓልል።

ጋዜጣ ታገሽፒገ፡ ነቲ ዝርዝር ብምእካብ፡ ኪንዮ ቑጽርታት ሰባኣዊ ገጽ እቲ ዘሎ ቐውሲ ስደት ንዓለም ከተርኢ ኸምዝደለየት ትገልጽ።
እቲ ዝርዝር ብምትሕግጋዝ ልዕሊ 500 ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ዝተኣከበ ዀይኑ፡ ገና “ጫፍ ናይቲ እምባ” ምዃኑ እያ ጀነቶሉ ነታ ጋዜጣ ገሊጻትላ።
ዝሓለፈ ዓመት ማእከላይ ባሕሪ ንዝሰግሩ ንስደተኛታት ዝኸፍአ ብዝሒ ሞት ዘጋጠመሉ እዩ ኔሩ። ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ልዕሊ 5,000 ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኽጕዓዙ ኸምዝሞቱ ወይ ከምዝጠፍኡ ይሕብር።
ብመሰረት ሚኒስተር ስደተኛታትን ምጥያስን ኣፍጋኒስታን ኣላሚ ባልኪ ኣብ ኣርያና ቲቪ ዝሃቦ መግለጺ ስደተኛታት ኣፍጋኒስታን 12% ናይቶም መብዛሕትኦም ናብ ኤውሮጳ ዘምርሑ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት የቝሙ።