ኢትዮጵያን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ምምላስ ስደተኛታት ይተሓባበሩ
ስእሊ፥ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብ26 ሰነ 2016 ክልተኣዊ ስምምዕ እናፈረመ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ዑቕባ ንምሕታት ዘድሊ ወረቓቕቲ ዘይብሎም ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ንምጥያስ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ይተሓባበር ኣሎ።
“ኣባላት እቲ ሕብረት ዝዀና ሃገራት ኣስማት ናይቶም ስደተኛታት ንኽረጋገጽ ናብ ኢትዮጵያ ምስሰደድኦ፡ ናይ ጕዕዞ ሰነዳት ክንሰርሓሎም ኢና፡ ድሕሪ እዚ እቲ ናይ ምምላስ ዕዮ ኽጅምር እዩ፡” ክብል ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ተሾመ ቶጋ ን ኢ ዩ ኦብሰርቨር ሓቢሩ።
እቲ ኣምባሳደር ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ወይ ናይ ምንባር ፍቓድ ዝሓዙ ኢትዮጵያውያን በቲ ስምምዕ ከምዘይትንከዩ ኣረዲኡ። ብተወሳኺ፡ ሃገሩ ነቶም ክምለሱ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ጥራይ ከምእትቕበል ኣፍሊጡ።
እቶም ዜጋታት ናብ ዓዶም ምስተመልሱ፡ ኮሚሽን ኤውሮጳ ናብ ሕብረተሰብ ዳግም ንምውህሃዶም ዘድሊ ወጻኢታት ክሽፍን እዩ።
“ሕብረት ኤውሮጳ ብግቡእ ነቲ ጉዳይ ዝተሓዝአን ኣገባባት ንመንስግቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምውህሃድ ተመለስቲ ዜጋታት ክተሓጋገዞ ዘለዎ ቕሩብነት ገሊጹ እዩ፡” ይብል ቅዳሕ ንድፊ እቲ ስምምዕ።
ብመሰረት እቲ ሰነድ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያን ጸጥታን ኢትዮጵያ ዜግነት እቶም ግቡእ ሰነዳት መንነት ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ስራሕ ብምድግጋፍ ንጕዕዞ ዘድልዮም ሰነዳት ኣብ ምድላው ክተሓባበር እዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ