ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ስደተኛታት መሰረታዊ ድሕነት ኣይረኽቡን

ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያ ዝገጥሞም ሽግራት ዘርኢ ብቸንትሮ ኣስታሊ ዝተባህለ ብማሕበር የሱሳውያን ዝካየድ ንስደተኛታት ደገፍ ዝህግብ ማሕበር ኣብ ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ተዘርዚሩ።
እቲ ጸብጻብ ምውሓድ ቁጽሪ ናብ ኤውሮጳ ዝውሕዙ ስደተኛታት ከምዝተራእየ እንተዀነ ግና እቶም ዝርካቦም ንማእከላይ ባሕሪ ብህይወቶም ዝሓልፍዎ ኣብ ምሕታት ዑቕባን ምስ ሕብረተሰብ ኣብ ምጽንባርን ካብቲ ነቶም ኣቐዲሞም ዝኣተዉ ስደተኛታት ዝገጠሞም ዝነበረ ዝበርትዐ ዕንቅፋታትን ጸገማትን ከምዘጋጥሞም የረድእ።
እቲ መጽናዕቲ እንተወሓዱ 10,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ካብ ናይ መአንገዲ ስደተኛታት ስርዓት ተወሲኖም ከምዝርከቡ፡ ከምኡ ድማ “ኣገዳሲ ኣገልግሎታት ዝውሕዶ ወይ ፈጺሙ ዘይብሉ ዘይወግዓዊ ሰፈራታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ፋሕ ኢሉ ኸምዝርከብ፡” የረድእ።
ኢጣልያ ንሓተትቲ ዑቕባ ንምእንጋድ ኣብቶም ልዑል ጻዕቂ ሰባት ኣብ ዘዋርድ ኩነታት ዝቕመጡሎም “ካብ ከተማዊ ማእከላት ዝረሓቑን ምስ ካልእ ዓለም ትሑት ወይ ኣጸጋሚ ርክብ ዘለዎምን ኣዝዮም ዓበይቲ ህንጻታት” እያ እትምርኰስ።

እቶም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሮማ፡ ነቶም መአንገዲ ማእከላት ዝገድፍዎም ስደተኛታት ኩሉ ዓይነት ነገራውን ሕጋውን ሓገዝ ተነፊጉዎም ከምዝተርፉ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ካልእ ብሓካይምምብዘይዶብ ኣብ ለካቲት ዝወጸ ጸብጻብ፡ ካብ 2016 ክሳብ 2017 እንተወሓዱ 10,000 ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣብ 47 ዘይወግዓዊ መጽለሊ ወይ ድማ ብዘይመሰረታዊ ቐረባትን መድሃኒትን ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል እታ ሃገር ተደርብዮም ከምዝነብሩ ይገልጽ። ኣብ 17 ኻብቲ መዕቈቢታት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ተረኺቦም። እቲ ኣብ ጸብጻብ ሓካይም ብዘይዶብ ዝተገልጸ ዘይወግዓዊ መዕቈቢታት መብዛሕትኡ ኣብ ዞባ ላስዮ፡ ከምኡውን ኣብ ፑልል’ያ፡ ሲቺልያ፡ ካላብሪያን ፒየድሞንትን ዝርከብ ዝባደመ ወይ ዝተታሕዘ ህንጻታት፡ ክፉት ቦታ፡ ድንኳናት፡ ዳሳት፡ ጎጆታት፡ ከምኡ ድማ መትሓዚ ጽዕነት መራኽብ እዩ።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታትታ ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት፡ 119,310 ሰብኡት፡ ኣንስትን ቈልዑን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝሓለፈ ዓመት ኢጣልያ ኸምዝኣተዉን ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ዝተሓተ ድምር ከምዝነበረን ገሊጹ።
እንተዀነ፡ ብመሰረት ብላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ጸብጻብ፡ ምስ ዓሚ ኽወዳደር ከሎ ኣብ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት እዚ ናይ 74% ምጕዳል ዋሕዚ ስደተኛታት እኳ እንተተራእየ፡ ቍጽሪ ናይቶም ኣብቲ ጉዕዞ ዝሞቱ ግና ልዕሊ ዕጽፊ እዩ ዀይኑ።
ማእከል ሳሚፎ ዝተባህለ ብዛዕባ ጥዕናን ድሕነትን ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያ ዝግደስ ማሕበር፡ ብፍላይ ኣብቶም ካብ ሊብያ ዝመጹ፡ ኣብ ቍጽሪ ግዳያት ዓመጽ ወሰኽ ቍጽሪ ኸምዝርኣየ ይሕብር። ሕክምናውን ኣእምሮኣውን መርመራታት ዝበዝሕ እዋን ስደተኛታት ኣሰምባሪ ተመኵሮ ኸምዘሕለፉ የርእዩ። ርብዒ ኻብቶም ናብቲ ማእከላት ምኽሪ ዝበጽሑ ስደተኛታት ብብርቱዕ ተመኵሮ ዓመጽን ስቓይን ዝሓለፉ እዮም።

 

ስንኩል ስደተኛ ኣብ ጐደናታት ሚላኖ፡ ኢጣልያ ይልምን፤ 18 ግንቦት 2017።

 

TMP – 16/05/2018