ፈረንሳ ናብ ሊብያ ተወሰኽቲ ጃላቡ ኽትሰድድ እያ

ሊብያ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት እተካይዶ ቓልሲ ንምድጋፍ ፈረንሳ ሽዱሽተ ጃላቡ ኽትልእከላ ምዃና ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ ብ21 ለካቲት ኣፍሊጡ።

እቲ ስጕምቲ ነቲ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ዘካይዶ ቓልሲ ፈረንሳ እተበርክቶ ዘላ ደገፍ ምዃኑ ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ ን ዌስት-ፍራንስ ኣብ ዝሃቦ ቓል ገሊጹ። ከም መብዛሕትአን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳውያን ሃገራት ፈረንሳ ውን ኣብዚ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመት ኣብ ጉዳይ ስደት ዘለዋ ኣተሓሕዛ ኸተትርሮ እያ ጸኒሓ

ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ ፍሎረንስ ፓርሊ ኣብ ሙኒክ ኣብ ዝተኻየደ ጸጥታዊ ዋዕላ ብ17 ለካቲት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ፋይዝ ኣ-ስራጅ ኣብ ዝተዘራረበትሉ እያ ነቲ ሓገዝ ተማባጺዓቶ። እቲ ፈረንሳዊት ሚኒስተር ብተወሳኺ ንሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ዘሰልጥንን ዘዕጥቕን መደብ ከተበግስ ተሳማሚዓ።

እተን ብፈረንሳዊ ጉጅለ ሲሊንዤር ዝስርሓ 12 ሜትሮ ዝንውሓተን ሓውሲ-ዓጺቕ ኣካላት ዘለወን ተነፋሕቲ ጃላቡ ብመንግስቲ ፈረንሳ ተዓዲገን ኣብዚ ውሽጢ እዚ ዓመት እዚ ኣብ ሰለስተ እብረ ናብ ሊብያ ኽለኣኻ እየን።

ኢጣልያ ውን ኣብ ጉዳይ ሓለዋ ዶባት ምስ ሊብያ እተካይዶ ምትሕግጋዝ ተሐይል እያ ዘላ። ኢጣልያ፡ ኣርባዕተ ናይ ሓለዋ ጃላቡ ኽትሰድድን ማእከል ምውህሃድ ምድሓን ህይወት ኣብ ባሕሪ ኣብ ምትካል ክትደጋገፍን ተሳማሚዓ ኣላ።

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመት፡ ብደገፍ ሕብረት ኤውሮጳን ኣባላት ሃገራትን፡ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ኸይሰግሩ ንምዕጋት ዘካይዶ ጻዕሪ ከጽዕቕ እዩ ጸኒሑ። ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ኸምዝሓበሮ ኣብ ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ 2018 ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 29,000 ስደተኛታት መሊሱ።

ብመሰረት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ክሳዕ 22 ለካቲት 779 ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ኽሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት መሊሱ። ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2,640 ስደተኛታት ነቲ ጉዕዞ ዝፈተኑሉ ተመሳሳሊ እዋን ክወዳደር ከሎ ቁጽሪ ስደተኛታት ሒዘን ዝብገሳ ጃላቡ ኣዝዩ ቕኒሱ ኣሎ።

ብቴሌቪዥን ኣብ ዝተፈነወ መሕትት ኣፈኛ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብሪጋዴር ጀነራል ኣዩብ ቓስም፡ “ንህይወቶም ጥፍኣት ብምዃኑ እቶም ካብ ሊብያ ብባሕሪ ዝብገሱ ከም ገበነኛታት ክረኣዩን ናብ ሕጊ ኽቐርቡን ኣለዎም፡” ይብል።

TMP – 9/3/2019

ስእሊ፦ ናቱርስፖርትስ/ሻተርስቶክ። ዝተሰብረት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፐዱዛ።