ብማዕበል ዝተገፍዑ ሬሳታት 11 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ማያዊ ገማግል ትራብሉስ ተኣኪቦም፥ ቀይሕ ወርሒ ሊብያ
ቀይሕ ወርሒ ናይ ሊብያ ፥ ኣብ ምድሓን ሂወት ዝነጥፉ ኣባላቱ ብ 28 ታሕሳስ ናይ 2016 ኣብ ማያዊ ገማግም ከተማ ትራብሎስ ንዝረኸብዎም ብማዕበል ዝተገፍዑ 11 ሬሳታት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከምዝኣከቡ ገሊጹ።
ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ብማዕበል ዝተገፍዑ ሬሳታት ድሕሪ ምዕዛቦም ንዝምልከቶ ኣካል ብዘመሓላለፉዎ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣባላት ኣሃዱ ምድሓን ሂወት ቀይሕ ወርሒ ናብቲ ከባቢ ተላኢኾም ድሕሪ ዘካየድዎ ኮለላ ነቲ ሬሳታት ከምዝኣከቡ ፣ ኣፈኛ’ቲ ናይ ረድኤት ኣካል ሓቢሩ ኣሎ።
ቀይሕ ወርሒ ሊብያ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣስፊሩዎ ዘሎ ሓበሬታ ከምዝነጽሮ እዉን ፥ እቶም ሬሳታት ካብ ገማግም ‘ሕያል-ኣንዳሉስ’ ናይ ከተማ ትራብሉስን ፣ ካብታ ከተማ 11 ኪሎሜተር ንሸነኽ ምዕራብ ኣብ ዘሎ ከባቢን ከምዝተኣከቡ እዩ።
ኣብ ሊብያ ካብ 2011 ክሳዕ ሕጂ ሰሪቱ ዘሎ ዘቤታዊ ጸጥታዊ ቅልውላው፥ ዛጊት ድልዱልን ተቖጻጻሪን ማእከላይ መንግስቲ ከቐዉም ብዘይምኽኣሉ ፥ ኣሰጋገርቲን ደላሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቀ-ሰብን፣ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ንዘሎ ሃጓፍ ከም ብልጫ ወሲዶም ልዑል ቊጽሪ ስደተኛታት ብመንገዳ ናብ ኤውሮጳ ከስግሩ ከምዝረኣዩ እዩ ዝንገር።
ስለዝኾነ ፥ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ውሕስነት ኣብ ዘይብለን ናይ ብላስቲክን ዕንጨይትን ጀላቡ እንዳተጸፍጸፉ፣ ሓደገኛ ማዕበላዊ ባህሪ ከምዘለዎ ንዝንገረሉ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ይጽዕቱ ምህላዎም እዩ ሰነዳት ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘረድእ።
እዋናዊ ጸብጻብ እቲ ላዕለዋይ ወኪል ከምዘነጽሮ እዉን ፥ ኣብ ውሽጢ ዓመተ 2016 ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝኣተዉ ልዕሊ 360 ሽሕ ስደተኛታት እቶም 180 ሽሕ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝበጽሑ ኮይኖም ፥ ነቲ ማያዊ ኣካል እንዳሰገሩ ሂወቶም ናይ ዝሰኣኑ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ቊጽሪ ልዕሊ 5 ሽሕ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ዓመተ 2016 ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ ናይ ዘሎ ህይወት ምስ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ዝተመዝገቡ ኣሃዛት ክነጻጸር እንከሎ እዉን ብልዕሊ ሓደ-ሲሶ ከምዝዛይድ እቲ እዋናዊ ጸብጻብ የብርህ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ