ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኣፍሪቃ ዝትከል መዓስከራት ስደተኛታት መካየዲ ክኸፍል’ዩ
ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝቐውም መዓስከራት ስደተኛታት ብገንዘብ እተን
ሃገራት ዝካየደሉ መገዲ ብምርካብ፡ ንዋሕዚ ናይቶም ብግሪኽን ኢጣልያን ዝኣትዉ ስደተኛታት ክቕንስዎ ይሓስቡ
ኣለዉ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ቶማስ ደ መይዚራ ብ26 ለካቲት ኣብ ቫሌታ፡ ርእሰ ኸተማ ማልታ እቶም
ሚኒስተራት እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ዘቋርጸሉ መገድታት ኣብ ዘናድዩሉ ዝነበሩ “ኤውሮጳ ስደተኛታት ናብ ድሑን
ቦታ ኽውሰዱ እምበር ናብ ኤውሮጳ ኸምዘይመጹ ከተረጋግጽ ኣለዋ፡” ኢሉ።
“ብኣሰጋገርቲ ዝእከቡ ሰባት ክድሕኑን ናብ ውሑስ ቦታ ኽውሰዱን ይግባእ። ድሕሪኡ ግን ካብዚ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ
ዝርከብ ውሑስ ቦታ ነቶም ምሕላው ዘድልዮም ፈሊና ናብ ኤውሮጳ ነእትዎም፡” ክብል ወሲኹ።
እቲ ዝስላዕ ገንዘብ ንወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታትን፡ ከምኡውን ካልእት ናይ
ተራድኦ ትካላት ነቲ መዓክሰራት ስደተኛታት ብዝሓሸ ኣገባብ ዝሕዛሉን ነቶም ስደተኛታት ቅድሚ ናብ ኤውሮጳ ክሓልፉ
ምኽኣሎም ዘጻርያሉን ዓቕሚ ክውስኸን’ዩ። እተን ኣህጉራውያን ውድባት ነቶም ስደተኛታት ምጽራይን ነቶም ናይ
ዑቕባ ጠለቦም ዝተነጽገ ናብ ዝተበገሱሉ ሃገራት ናይ ምጥያስን ሓላፍነት ክወሃበን እዩ።
እቲ ኣብ ሊብያ ወይ ኣብ ከም ቱኒዝያ ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ዝቐውም መዓስከራት ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ
ክሰግሩ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኸየእትዉ ሓሳቦም ክቕይሩ ኽሕግዞምን፡ ጠለቦም ዝተነጽገ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ኤውሮጳ
ከምዘይጸንሑ ኽገብርን እዩ።
ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ቱርኪን ስምምዕን ምዕጻው መስመራት ኤጅያዊ ባሕርን ምብራቓዊ
ማእከላይ ባሕርን ቁጽሪ ናይቶም ኣብ መሬት ኤውሮጳ ዝረግጹ ስደተኛታት ትሕቲ ዕሽር ናይ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ዀይኑ።
ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት ትሕቲ 8% ሚእታዊት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ዝኣተዉ 48,029 ዝዀኑ 3,829
ስደተኛታት ጥራይ ኤውሮጳ ኽበጽሑ ኽኢሎም።
እንተዀነ፡ ዝበዝሓ ሃገራት ኤውሮጳ ነዚ ቑጽሪ ካብቲ ዘለዎውን ዝትሕተሉ መገዲ እየን ዘናድያ ዘለዋ። ኣብ ቫሌታ
ብዛዕባ ንስደተኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ኣቐሚጥካ ምጽራዮም ዝተዛረበ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዘለዋ ጀርመን፡ ነቶም ናይ
ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት ካብ መሬታ ብስሉጥን ጽፉፍን ኣገባብ እትኣልየሉ መገዲ ተዳሉ ኣላ።
እንግሊዝውን ዝወሃዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትቅበል እያ ትደሊ ዘላ። እታ ሃገር ኣብ ቀረባ እዋን ንጉዳይ ኤርትራውያን
ስደተኛታት ዝምልከት እትኽተሎ ዝነበረት መምርሒ ንኻብ ኤርትራ ዝመጹ ሓተትቲ ዑቕባ ሕቶኦም ቅቡል ክኸውን
ኣሸጋሪ ዝገብሮ መምርሒ ኣውጺኣ። ኣብ ታሕሳስ ዝወጸ ብሓደ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ኰነታት ሰብኣዊ መሰላት ምስ
መንግስቲ ኤርትራ ዝተዛራረበ ጉጅለ ልኡኽ እታ ሃገር ዝወጸ ጸብጻብ፡ “ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝበልዎ ክንኣምን
እንተዄንና፡ ካብቲ ብዛዕባ እታ ሃገር ዝጸንሓና መምርሒ ኣቀባብላ ሓተትቲ ዑቕባ ዝእምቶ ዝሓሸ ኩነታት እዩ ኣብታ
ሃገር ዘሎ፡” ይብል።
ኣብዚ ሕብረት ኤውሮጳ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንምዕላምን ንምዕጣቕን ልዕሊ 200 ሚልዮን ዩሮ ከውጽእ ዝዳለወሉ
ዘሎ እዋን፡ ኢጣልያ ብወገና ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት ንምቍጽጻር ዝተረረ ኣገባባት ተተኣታቱን፡ ምስ
መንግስቲ ሊብያ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ኣስገርቲ ብርቱዕ ስጕምቲ ኽትወስድ ትደሊ ኣላ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ