ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመት ድሮ 366 ስደተኛታት ሞይቶም
TMP – 06/03/2017
ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ኣብ 2017 ናይ ዝሞቱ ቍጽሪ ስደተኛታት ድሮ 366 ከምዝበጽሐ ገሊጹ።
ናይቲ ውድብ ጉዳይ ዝጠፍኡ ሰባት ዝከታተል ፕሮጀክት መብዛሕትኦም ካብቶም ዝሞቱ፡ እቶም 326 ዝዀኑ ዝጠፍኡ ሰባት፡ ኣብቲ ካብ ሊብያ ናብ ጥልያን ዘራኽብ መስመር ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠፍኡ የረድእ።
ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብዚ መስመር ዝነበረ ዓሚ ክሳብ ከምዚ እዋን ናይ ዝሞቱ 97 ሰባት ቍጽሪ ኽረኣአ ኸሎ፡ ሎሚ ዓመት ብዝሒ ሞት ብ300% ወሲኹ።
ቁጽሪ ናይቶም ኣብዚ መስመር ዝሞቱ ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ ቁጽሪ ናይቶም ኤውሮጳ ዝበጽሑ ኣዝዩ እዩ ቐኒሱ ዘሎ። ምስቶም ዝሓለፈ ዓመት ኣብተን ቀዳሞት 53 መዓልታት ናይታ ዓመት ኤውሮጳ ዝኣተዉ 105,427 ስደተኛታት ክረኣአ ኸሎ፡ ሎሚ ዓመት ናይ 87% ምቕናስ ብምርኣይ 13,924 ስደተኛታት ጥራይ እዮም ብባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ኸኣኣትዉ ኽኢሎም ዘለዉ።
ምስቶም 425 ኣብተን ናይ 2016 ቀዳሞት ክልተ ኣዋርሕ ኣብዚ ባሕሪ ዝጠፍኡ ኽወዳደር ከሎ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ መላእ ማእከላይ ባሕሪ ቍጽሪ ዝሞቱ 366 ጥራይ እዩ በጺሑ ዘሎ። እዚ ሓፈሻዊ ምቕናስ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ብመኽንያት ምዕጻው ኣብ መንጎ ቱርኪን ግሪኽን ዘሎ መስመር ዝተበጽሐ እዩ።
ብዘይካ ብሰንኪ ምዕጻው ምብራቓዊ መስመር ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ዘኸተሎ ምግዓዝ ስደተኛታት ናብ መስመር ሊብያ-ጥልያን ዘኸተሎ ብዝሒ ሞት፡ ኣስገርቲ ዘዝከፍአ ጭካነ እናርኣዩ ስለዝከዱ ዘለዉ እዩ ብዝሒ ዝጠፍኡ ስደተኛታት ኣብዚ መስመር’ዚ ተዓጻጺፉ ዘሎ። ንባሕሪ ብቑዓት ኣብ ዘይኰና ፈኰስቲ ፕላስቲክን መግፈፊ ዓሳ ብጣውላ ዝተሰርሓን ጃላቡ ልዕሊ መጠን ተጻቓቒጦም ዝኸዱ ስደተኛታት መዓልታዊ ተርእዩ እዩ ዀይኑ ዘሎ።
ጨንፈር ሊብያ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ብ24 ለካቲት፡ ካብ ምፍላም’ዛ ዓመት 2,265 ስደተኛታት ኣብ ጥቓ ሊብያ ኣብ ዘሎ ገማግም ባሕሪ ኸምዝደሓኑ፡ 131 ሬሳታት ከምዝተረኽበን ዘይተፈልጠ ዝብዝሖም ስደተኛታት ጠፊኦም ከምዘለዉን ገሊጹ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ