ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኣሃዱታት ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከሰልጥንን ከዕጥቕን ይሓስብ

ኤውሮጳዊ ሕብረት ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቍጽጻር ኣብ ዝገብሮ ቓልሲ ደገፍ ክዀኖ፡ ንወተሃደራዊ ኣሃዱታት ሓለዋ

ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከዕጥቕ ዝእምም ሓሳብ ኣብ ከም እማመ ቐሪቡ።

ካብተን ቀዳሞት ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት እግሮም ዘንብሩለን ሃገራት ዝዀነት ማልታ፡ እዋናዊ ፕረሲደንትነት

ኤውሮጳዊ ሕብረት ሒዛ ዘላ ሃገር እያ። ኣብ ስትራስቦርግ ብ18 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ፓርላማ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ማልታ ጆዘፍ ሙስካት ንኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ “ዝመጽእ ጽድያ፡ ብማእከላይ ሸነኽ

ማእከላይ ባሕሪ ዝመጽእ ሓድሽ ብርቱዕ ዋሕዚ ስደተኛታት ንኤውሮጳ ከዕለቕልቓ እዩ።” ክብል ኣጠንቂቕዎም እዩ።

ወሲኹ፡ “ከምቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ ቱርኪ ዝፈረሞ ውዕል ምዕጋት ስደተኛታታ ኣብ ማእከላይ ሸነኽ ማእከላይ

ባሕሪ እንተዘይተተግቢሩ ኤውሮጳ ኣዝዩ ብርቱዕ ዕልቕልቕ ስደተኛታት ከጋጥማ ምዃኑ ኣብ ኣእምሮይ ፍጹም ጥርጥር

የለን፡” ይብል እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ማልታ።

እቲ ሓይልታት ሊብያ ምዕጣቕን ምስልጣንን ዝብል፡ ጆዘፍ ሙስካት ምስ ፕረሲደንት ባይቶ ኤውሮጳ ዶናልድ ታስክ

ብምርድዳእ ዘቕረቦ ክሳብ’ቲ ተገሚቱ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝሓልፍ ዘገልግል ፍታሕ፡ ሓያልን ቀጻልን ደገፍ ኤውሮጳዊ

ሕብረት እናረኸቡ፡ ሓይልታት ሊብያ ኣብ ቀዳማይ ግንባር ዝቘሙሉ እማመ እዩ።

ስርሒት ሶፊያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኤውሮጵዊ ሕብረት ምስግጋር ስደተኛታት ምእከላይ ባሕሪ ዝቈጻጸረሉ ቅልጽም ሓይሊ

ባሕሪ፡ ኣብ ማያት ሊብያ ስርሒታቱ ኽመርሕ ፍቓድ መንግስቲ ሊብያ ስለዘይብሉ፡ ጆዘፍ ሙስካት ሓይልታት ሊብያ ናብቲ

መበገሲ ጃላቡ ስደተኛታት ዝቐረቡ መስመር ምክልኻል ክዀኑ ይደሊ።

ማልታ እቲ ዓሚ ኣብ መንጎ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ቱርኪን ዝተፈረመ ውዕል ምስ ሊብያ ኽድገም እያ እትደሊ። ቀዳማይ

ሚኒስተር እታ ሃገር፡ “ቃላተይ ከይሓየኽኩ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡ ዝዀነት ኣባላ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝዀነት ሃገር ነዚ

ዘሎ ዕልቕልቕ ስደተኛታት በይና ኸትካውኖ ወይ ክትቅበሎ ኣይትኽእልን እያ። ስለዚ ድማ ሕጂ ስጕምቲ እንተዘይወሲድና

ሕመረት መትከላት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ፈተነ ኽኣቱ እዩ፡” ይብል።

እቲ እማመ ኣብቲ ኣብ ቫሌታ ን3 ለካቲት ዝተመደበ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንድምጺ ክቐርብ እዩ።

እቲ እማመ እንተጸዲቑ፡ እቲ ዝተሓስበ ሓገዝ በቲ ብስርሒት ሶፊያ ዝካየድ መደብ ምስልጣንን ምዕጣቕን ክትግበር

እዩ።

እቲ እማመ ምስ ጐረባብቲ ሊብያ ዝዀና ቱኒዝያን ግብጽን ኣብ ስምምዓት ብምብጻሕ ነቲ ኣብ ገማግም ሰሜን

ኣፍሪቃ ዝርከብ ኣስገርቲ ዝሰርሑሉ ምትእስሳራት ዘዕኑ ኣገባብ ምፍጣር ዝብል ሓሳብውን ኣጠቓሊሉ እዩ።

እቲ እማመ፡ ብጠቕላላ 500 ወተሃደራት ብምስልጣን፡ ሊብያውያን ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ዝካየድ ምስግጋር

ስደተኛታት፡ ኣጽዋር፡ ኣወለፍቲ ዕጸታትን ነዳድን ክቈጻጸርዎ ከኽእሎም እዩ።

እዚ ብውድብ ሕቡራት ዝተደገፈ ሓባራዊ መንግስቲ ሊብያ ነታ ሃገር ተቘጻጺሩ ኣብታ ሃገር ስርዓት ክስፍን ይቃለስ’ኳ

እንተሎ፡ ካልእ መቕናቕንቲ መንግስቲ፡ ዕጡቓት ጉጅለታትን ዳዒሽን ዝበዝሐ ኽፋል’ታ ሃገር ይቈጻጸሩ ኣለዉ።