126 ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኦም
እንተወሓዱ 126 ዝበጽሑ ስደተኛታት ድሕሪ ቝሩብ ሰዓታት ካብቲ ጃልባኦም ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገስትሉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሞይቶም ክዀኑ ኸምዝኽእሉ ተገሊጹ።
እቶም ክልተ ሱዳናውያንን ክልተ ናይጀርያውያንን ዝደሓኑ ኣብታ ጃልባ መብዛሕትኦም ሱዳናውያን ዝዀኑ 130 ስደተኛታት ከምዝነበሩ ሓቢሮም።
ብመሰረት እቶም ዝደሓኑ፡ ኣብ ባሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ምስተጓዕዙ ሊብያውያን መጺኦም ንሞተር ናይታ ጃልባ ወሲዶሞ። ብዘይሞተር ከተንሳፍፍ ከላ እታ ጃልባ ማዕበል ስለዝበርትዓ ጥሒላ።
“ከም ቀርሰንቲ እዮም ገሊጾሞም፣ እንተዀነ ግን ብመሰረቱ ኣሰጋገርቲ ሰባት እዮም፡” ይብል ኣፈኛ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ፍላቭዮ ድ ጃኮሞ።
እቶም ዝደሓኑ ኣርባዕተ ናይ ኢጥልያ መርከብ ምስረኸበቶም ስለዝደሓኑ ናብ ሲቺልያ ተወሲዶም።
“በቲ ዘጋጠሞም ኣዝዮም ተሳናቢዶም እዮም ኔሮም፣ ኣካላቶምውን ሰልክዩ እዩ ኔሩ፡” ይብል ዲ ጃኮሞ።
“ኣብ ማእከል ባሕሪ ብዘይሞተረ ጃልባ ምግዳፍ ማለት፡ ልክዕ ከም ምቕታል እዩ ዝሕሰብ፥” ድማ ይውስኽ።
“እቲ ሞተር በቶም ዘበገስዎም ኣሰጋገርቲ ወይ ድማ ብተቓናቐንቶም ካልኦት ጉጅለ ኣስገርቲ ተሰሪቑ ክኸውን ከምዝኽእል ኢና ንኣምን። ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሞተረአን ዝስረቐን ጃላቡ ይበዝሓ ኣለዋ። ኣስገርቲ ክጥቕዕዎም ቀሊል እዩ።”
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ