ኢጣልያ ንሊብያ ብደቡብ ምስዘዳውብኣ ሃገራት ስደት ንምዕጋት ዝዓለመ ስምምዕ ከቲማ

ኢጣልያ ኣብ ኒጀርን ጫድን መቐበሊ ስደተኛታት ዝኸውን ስደተኛታት ሊብያ ኸይበጽሑ ኸለዉ ንምዕጋት ዝዓለመ ስምምዕ ከቲማ።

እቲ ኣብ ኣኼባ ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ፡ ሊብያ፡ ጫድን ኒጀርን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብቲ ንሊብያ ምስ ኒጀርን ጫድን ዘዳውባ ሸነኻት ዝሓለየለ ምቍጽጻር ዶባት ከረጋግጽ እዩ።

በቶም ሚኒስተራት ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኣብተን ቀንዲ መተሓላለፍቲ ስደተኛታት ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ሊብያ ዝዀና ኒጀርን ጫድን መቐበሊ ስደተኛታት ዝኸውን ማእከላት ክቐውም ከምዝተሰማምዑ ኣረዲኡ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ እቶም ሚኒስተራት “ንምቛም መለለዪ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ዝተሓዙሉ ማእከላት ኣብ ኒጀርን ጫድን ክድግፉን ብመሰረት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መዐቀኒታት እናተመርሑ ነቲ ተመሳሰልቲ ማእከላት ኣብ ሊብያ ዘካይዶ ስራሕ ክድግፉን፡” ተሰማሚዖም።

እቶም ኣርባዕተ ሚኒስተራት፡ ኣብቲ ኣንጻር ግብረሽበራን ምስግጋር ሰባትን ዝካየድ ቃልሲ ክተሓጋገዙን ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ እተን ሃገራት ምትእስሳር ብምፍጣር ጸጥታ ዶባት ከመሓይሹን ተሰማሚዖም። ብተወሳኺ፡ እተን ኣርባዕተ ሃገራት ኣብ ከባቢ ጫፋት እተን ሃገራት ሕጋዊ ቑጠባ ብምፍጣር ነቲ ኣብ ምስግጋር ሰባት ዝምርኰስ ቁጠባ ከዳኽምኦ ተሰማሚዐን።