ጀርመን ንግብጽን ቱኒዝያን ዘይሕጋዊ ስደት ክቈጻጸራ ኽትሕግዘን እያ

TMP – 07/04/2017

ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል ኣብ ፈለማ መጋቢት ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ምስ መራሕቲ ግብጽን ቱኒዝያን ተጓዒዛ ጉዳያት ስደትን ቁጠባዊ ልምዓትንን ዘትያ።

ጀርመን ምስዘን ክልተ ሃገራት ብምትሕብባር ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ንዘሎ ዋሕዚ ስደት ክትቅንስ እያ ትደሊ። ኣማኢት ኣሽሓት ካብ ሶርያን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተበገሱ ናብ ኤውሮጳ ኽበጽሑ ዝምድቡ ስደተኛታት ኣብ ግብጺ ይርከቡ።

ጀርመን ንግብጺ ሓለዋ ባሕሪ ኸተደልድል ክትሕግዛን ማእከላይ ባሕሪ ንዝሰግር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ክትዓግት ክትሕግዛን ትደሊ። መርከል ንግብጺ ነቶም ብሩዕ ዋሕዚ ስደተኛታትን ግብረሽበራዊ ስግኣታትን ምቍጽጻር በርቲዕዎም ዘሎ ሓለዋ ዶባትን ሓለዋ ባሕርን ዝኸውን ተክኒካዊ ሓገዝ ክትህባ ተመባጺዓ።

ግብጺ ዝያዳ ዘተ ዘድልዮ ተክኒካዊ ሓገዛት ሓቲታ ኣላ፡ ኣነውን ጀርመን ኣብ ዝዀነ ንምቍጽጻር ዶባት ዝምልከት ጉዳይ ንግብጺ ኽትተሕጋገዛ ድልውቲ ምዃና’ያ ዝሓስብ፡” ትብል መርከል።

ኣብ ግብጺ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስደተኛታት ኣለዉ፡ ንሕና ድማ እዞም ስደተኛታት ዝሓሸ ዕድላት ክረኽቡ ኢና ንደሊ፡” ትብል።

መርከል ንቑጠባዊ ምዕባለ ዝውዕል 528 ሚልዮን ዶላር ክትማባጻዕ ከላ፡ 1,000 ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽጎም ግብጻውያን ስደተኛታት ክትመልስ’ያ።  

መርከል 264 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ዝውዕል ገንዘብ ከተውፍር ተሰማሚዓ። ብተወሳኺ ኣብ ቱኒዝ ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ ዋዕላ 1,500 ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽጎም ቱኒዝያውያን ካብ ጀርመን ክምለሱ ምዃኖም ገሊጻ።

ናይ ጀርመን ክፉት ማዕጾ ንስደተኛታት ዝብል ኣገባብ ካብቲ ኣብ 2015 900,000 ናብታ ሃገር ዝፈሰሱሉ እዋን ብዙሕ ነቐፌታ’ዩ ኣስዒቡላ። ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣኒስ ዓምሪ ዝተባህለ ቱኒዝያዊ ስደተኛ ናይ ጽዕነት መኪና ተጠቒሙ ኣብ በርሊን ጻዕቂ ሰብ ኣብ ዝነበሮ ናይ ልደት ዕዳጋ መጥቃዕቲ ብምፍጻም 12 ሰባት ቀቲሉ፡ 56 ሰባት ምስ ኣቝሰለ እቲ ነቐፌታታት ወሲኹ።