ልዕሊ 180 ስደተኛታት 50 ኪሎሜተር ካብ ገማግም ሊብያ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም

ብዓርቢ 13 ጥሪ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ዝፍትኑ ዝነበሩ ልዕሊ 180 ስደተኛታት ብቐዳም 14 ጥሪ ጃላባኦም ኣብ ማእከል ባሕሪ ስለዝተበላሸወት ከምጠሓሉ ተረጋጊጹ።

ካብቶም ተጻዒኖም ዝነበሩ ልዕሊ 180 ስደተኛታት፡ ክልተ ኤርትራውያንን ክልተ ኢትዮጵያውያንን ጥራይ እዮም ድሒኖም። እቶም ብርቱዕ ድኻምን ስምባደን ዝነበሮም ዝደሓኑ ሓንቲ ጓለንስተይትን ሰለስተ ደቂተባዕትዮን ብሰኑይ ኣብ ናይ ሲቺልያ ወደብ ትራፓኒ ኣትዮም።

እቶም ዝደሓኑ ሰባት ምስተሓተቱ እታ ጃልባ ዝጠሓለትሉ ኹነታት ከመይ ከምዝነበረ ተፈሊጡ። 180 ዝዀኑ ሰባት ኣብታ ጃልባ ከምዝነብሩ ሓቢሮምና፡” ይብል ኣፈኛ ኣህጉራዊ ውድብ ጉዳይ ስደተኛታት ፍላቭዮ ዲ ጃኮሞ። “ምስተበገሱ ድሕሪ ሓሙሽተ ሰዓት ዝኸውን፡ 50 ኪሎሜተር ዝኸውን ካብ ገማግም ሊብያ ምስረሓቑ ሞተረ ስለዝተሰብረ፡ እታ ጃልባ ማይ እናወሰደት ክትጥሕል ጀሚራ።”

ዲ ጃኮሞ ወሲኹ “ሓደ ኻብቶም ዝደሓኑ ምስ በዓልቲ ቤቱ ይጕዓዝ ከምዝነበረን ከድሕና ከምዘይከኣለን ነጊሩና። ካልእ ጓለንስተይቲ’ውን ከድሕን ፈቲኑ ኔሩ፡ እንተዀነ ንሳ’ውን ኣብቲ ማይ ገለ ሰዓታት ምስጸንሐት ጥሒላ፡” ይብል።

ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ዝደሓኑ ኣብታ ዝጠሓለት ጃልባ ሓያሎ ህጻናት’ውን ኔሮም እዮም። ኣብታ ጃልባ ተጻዒኖም ዝነበሩ ካብ ኤርትራ፡ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝተበገሱ ምዃኖም እዩ ተገሚቱ ዘሎ።

ፈለማ ሬሳታት ሸሞንተ ተጓዕዝቲ ምስተረኽበ፡ ሓንቲ ኢጣልያዊት ንግዳዊት መርከብ ከምኡውን ሓንቲ ነፋሪትን ሄሎኮፕተርን ነታ ዘድሓነቶም ምስቲ ፍሮንቴክስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓለዋ ዶባት ኤውሮጳ ዝተዋፈረት ወተሃደራዊት መርከብ ፈረንሳ ተሓባቢረን ምድላይ ሰባት ቀጺለን’ኳ እንተነበራ፡ ዝደሓኑ ኣይረኸባን።

እዚ ኣጋጣሚ  ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ድሮ 226 ኣብ ጉዕዞ ዝሞቱ ተሰደድቲ ተጸብጺቦምሉ ዘለዉ ዓመት ንስደተኛታት ካብ ዘጋጠምዎም ሓደጋታት እቲ ኣዝዩ ኣሰቃቒ እዩ። ምስናይ ሎሚ ዓመት ቍጽሪ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ክወዳደር ከሎ፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብተን ቀዳሞት 14 መዓልታት ኤውሮጳ ዝኣተዉ 2,400 ተወዳዲሩ፡ ናይ ሎሚ ዓመት  ብ80% ቀኒሱ 2,900 ጥራይ እዮም መሬት ኤውሮጳ ረጊጾም። እንተዀነ ግን ቍጽሪ ናይ ዝሞቱ ተሰደድቲ ሎሚ ዓመት ካብቶም ናይ ዓሚ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ሰሙን ዝሞቱ 91 ሰባት ብዕጽፊ ወሲኹ። እዚ ማለት፡ ዓሚ ካብ ነፍሲ ወከፍ 25 ተጓዓዝቲ ስደተኛታት ሓደ ኽመውት ከሎ፡ ሎሚ ዓመት ካብ ነፍሲ ወከፍ 10 ተሰደድቲ ሓደ ይመውት ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ገማግም ኤውሮጳ ረጊጾም ዘለዉ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራን ናይጀርያን ዝተበገሱ እዮም።

ካብ መስመራት ቱርክን ግሪኽን መገዲ ምስተዓጸዎም ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዘአንፈቱ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተበገሱ ስደተኛታት ስልዘትወሰክዎ፡ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝስገረሉ መስመር ማእከላይ ባሕሪ ካብ እዋን ናብ እዋን ብቕልጡፍ ሓደገኛ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። ሓይልታት ባሕሪ ኤውሮጳ ኣንጻር ኣስጋገርትን ሸየጥትን ሰባት ዘካይድዎ ስርሒታት ስለዘሸገሮም፡ እቶም ኣስገርቲ ዝነኣሳን ብቕዓተን ዝተሓተን ዝኣረጋ ጃላቡ ቐሪቦም ዝበዝሑ ሰባት ጽዒኖም ከፋንዉወን ይግደዱ ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ ኣስገርቲ ኣብ ሓደ እዋን ብዙሓት ጃላቡ ብምስዳድ እቶም ህይወት ዘድሕኑ ኣካላት ዝያዳ ኸምዝጽገሙን ዝበዝሐ ህይወት ከምዝጠፍእን ይገብሩ ኣለዉ።  

ዝሓለፈ ዓመት፡ ዝበዝሑ ካብቶም 5,079 ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ኽኣትዉ ኽብሉ ዝሞቱ ሰባት ኣብቲ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ሊብያን ዝርከብ ማያት ዝጠፍኡ ተሰደድቲ፡ ብጽቕጥቅጥ ዝተጨፍለቑ፡ ብትንፋስ ምስኣን ተዓቢሶም ሃለዋቶም ዘጥፍኡ፡ ወይ ውን ኣብ ባሕሪ እናተንሳፈፉ ብጽምእን ጥሜትን ዝምቱ እዮም። ብዝንፋሕ ጐማ ዝተሰርሓ፡ ልዕሊ 10 ወይ ዕስራ ሰባት ክጽዕና ዘይብቑዓት ተንሳፈፍቲ ብቐሊሉ ይግምጠላ፡ ብጸቕጢ ናይቶም ክሳብ 150 ዝበጽሑ ተሳፈርተን ይትኰሳ፡ ምስተጨፋለቓ ዝኣቱ ማይ፡ ሰባት ክእለዩ ኽብሉ ኣብ ዝጸቓቐጡሉ ኣብ ማእከል ናይተን ጃላቡ ንዝተሳፈሩ ክእለዩ ዘይክእሉ ሰባት የጥሕል። ዝፈሰሰ ነዳዲ ዝስምም ብርቱዕ ሃንገፍታ ስለዝሰድድ፡ ተጕዓዝቲ ብሕጽረት ትንፋስ ይሞቱ።

መንግስቲ ሊብያ ናይቶም ኣብ ገማግም እታ ሃገር ዝሞቱ ስደተኛታት ዝርዝር ብቐጻሊ ኣይዝርግሕን እዩ። ስለዚ ድማ ሓቀኛ ቝጽሪ ናይቶም ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ዝተፍኡ ዘለዉ ስደተኛታት ካብቲ ዝተጠቕሰ ቝጽሪ ኣዝዩ ዝበዝሐ ኸምዝዀነ ይእመት።