ኦስትርያ ካብ ሓተትቲ ዑቕባ ተሌፎናትን ገንዘብ ክትእክብ ዘኽእል ሕጊ ትእምም
ብ18 ሚያዝያ ካቢነ ኦስትርያ፡ ንሰብመዚ መንስግቲ ናይ ሓተትቲ ዑቕባ ተሌፎናትን ክሳብ 840 ዩሮ ዝበጽሕ ጥረ ገንዘብን ክምንዝዑ ዘፍቅድ፡ ከምኡውን ዝተነጽጉ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ኣጸጋሚ ዝገብር ሕጊ ኣጽዲቑ።
“መዲብና ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደትን ኣንጻር ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ዑቕባን ክንቃለስ ተበጊስና ኢና፡” ይብል ቻንስለር ሰባስትያን ኩርትዝ።
ሓተትቲ ዑቕባ መንነቶም ንምርግጋጽ፡ ዝፈጸምዎ ገበን ከይህሉ ንምርኣይ፡ ከምኡውን ኦስትርያ ቕድሚ ምብጽሖም እተጓዕዙሉ መስመር ዘርኢ ጂኦግራፊያዊ ጸብጻብ ንምእካብ ክሕግዝ ተሌፎናቶም ከረክቡ ኽግደዱ እዮም።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝዀነት ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ኸምዝረገጹ ዝተረጋግጸሎም ሓተትቲ ዑቕባ፡ ብመሰረት እቲ ስደተናታት ኣብታ ቐዳመይቲ እግሮም ዝረገጹላ ኣባል እቲ ሕብረት ጥራይ ዑቕባ ኽሓቱ ዘፍቅድ ሕጊ ናብታ ሃገር ክምለሱ እዮም። ካብተን ተሌፎናት ዝእከብ ሓበሬታ እቶም ስደተኛታት ቅድሚ ሕጂ ገበን ፈጺሞም እንተዀይኖም ንምርግጋጽውን ክጠቅም እዩ።
እቲ ሓተትቲ ዑቕባ ብመሰረት ሕጊ ኸረክብዎ ዝግደድዎ ገንዘብ ነቲ ዑቕባ ንኽወሃቡ ዘመልከቱሉ መስርሕ መካየዲ ክኸውንን ንመግብን መንበርን ዝኸውን ወጻኢታት ኣብ ምሽፋንን ክውዕል እዩ።
ካልእ እቲ ተኣሚሙ ዘሎ ሕጊ ክወስዶ ዝደሊ ስጕምትታት፡ ገበን ዝፈጸሙ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ህጻናትውን እንተዀኑ፡ ብዝቐልጠፈ ኽጥረዙ ከምዝኽእሉ ምግባር ይርከቦ። እቲ ዝተኣመመ ሕጊ ብተወሳኺ፡ ገበነኛታት ፍርዶም ምስወድኡ ክሳብ ዝጥረዙ ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ስደተኛታት ክተሓዙ ይግድድ።
እቲ ዝተኣመመ ሕጊ፡”ዝጸፈፈ ምድላውን ምትግባርን ተጠረዝቲ ምእንቲ ኽህሉ፡” ዶክተራትን ሆስፒታላትን ናይ ሓተትቲ ዑቕባ ክንክን ክውዳእ ከሎ ንሰብመዚ ኽሕብሩ ክግድድ እዩ።
ኣባል የማናዊ ሰልፊ ናጻ ሰልፊ ኦስትርያ ዝዀነ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሀርበርት ኪክል ዕላማ እቲ እማመ ሕጊ፡ “ኣሳርን ተተግባርን ንወጻእተኛታት ዝምልከት ሕጊ ንኽህሉ፡” ምዃኑ ይገልጽ። “ተሪርን ጽፉፍን ሕጊ ካብ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ መሰላት ዑቅባ ኣብ ኦስትርያ ኽከላኸለና እዩ፡” ይብል።
ሕቶኦም ዝተነጽገ ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነቶም ድሩት እዩ፡ ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ ግና እቶም ክጥረዙ ዝጽበዩ ካብቲ ዝነብሩሉ ኸባቢ ኽወጹውን ኣይክፍቀደሎን እዩ።
ዑቕባ ዝተዋህቦም ስደተኛታት ዜግነት ክወስዱ ኸምቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበረ ሽዱሽተ ዓመት ዘይኰነ እቲ ሕጊ እንተጸዲቑ 10 ዓመት ክጽበዩ ኣለዎም።
“እዚ ሓድሽ ሕጊ መዕገቲ ዀይኑውን ከገልግል እዩ። ስደተኛታት ገንዘብ ከይህልዎም ከምንፍትሽ ዘለና እንተተሰሚዑ፡ ገሊኦም ናብዚ ምምጻእ ይገድፍዎ ይዀኑ፡” ይብል ምኽትል ቻንስለር ሃይንዝ-ክሪስትያን ስትራኸ።
ድሕሪ ካቢነ፡ እቲ ዝተኣመመ ሕጊ ብፓርላማ ኽሓልፍ ኣለዎ።
ኣብ ፈለማ ዝነበረ ምስ ስደተኛታት ምድንጋጽ ተለዊጡ፡ ኣብዚ እዋን ባህሊ ኦስትርያ ብሰንኪ እቶ ኣዝዮም ብዙሓት መጻእተኛታት ከይጽሎ ዝብል ፍርሒ ይዕብልል ኣሎ። ድሕሪ እቲ ናይ 2015 ናይ ስደት ቀውሲ፡ ኦስትርያ 150,000፡ ማለት 1.7% ናይቲ 8.7 ሚልዮን ዝብዝሑ ህዝባ ሕቶታት ዑቕባ ተቐቢላ።
እቲ መንግስቲ ድሮ ነቲ ንምጽንባር ስደተኛታት ዝምልከት ባጀት ኣዝዩ ኣትሒቱዎ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ፈለማ ሚያዝያ ንህጻናት ኣዋልድ ናይ ርእሲ መሸፈኒ ኣጭርቕቲ ኸይጥቀማ ክኽልክል መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ እዩ። ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ መንግስቲ፡ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ፡ ቤት ትምህርትታትን ካልእ ህዝባው ቦታታትን ምሉእ መሸፈኒ ግጽ ምዝውታር ከልኪሉ እዩ።
ኪክል ኣቐዲሙ ነቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝርከቡ መዛኑኡ፡ ኣብ ኤውሮጳ ኻብ ሕጂ ንኔው ሓድሽ ሕቶታት ዑቕባ ኸይህሉ ክኽልክሉ ኽደኦም ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ። ኣብ ክንዲ ኣብ ኤውሮጳ፡ ስደተኛታት ካብ ዶባት ኤውሮጳ ወጻኢ ኣብ ዝዀነ “መሰጋገሪ ዞባታት” ኰይኖም ዑቕባ ኽሓቱ ይደሊ።
1 ሕዳር 2015፡ ሓደ ስደተኛ ኣብ ጐደናታት ኢንስብሩክ፡ ኦስትርያ ይልምን።
TMP – 18/05/2018
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ