ኣስጋሪ ደይመደይ ኢሉ 50 ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ኣጥሒሉ

ሓደ ብጃልባ ስደተኛታት ዘጓዕዝ ዝነበረ ኣሰጋጋሪ ደይመደይ ኢሉ እንተወሓዱ 50 ካብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተበገሱ ስደተኛታት ኣብ ገማግም የመን ናብ ባሕሪ ኣጥሒልዎም። ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ ኦ ኤም) ነቲ ምጥሓል “ኣሰምባድን ኢሰብኣውን” ብምባል ኰኒንዎ።
ብመሰረት ቃል ኣይ ኦ ኤም፣ ኣባላት እቲ ውድብ ናይ ምክትታል ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ እቶም ዝደሓኑ ናይ ዝቐበርዎም 29 መቓብራት ካብቶም ዝሞቱ ረኺቦም። እንተወሓዱ 22 ስደተኛታት ክሳዕ ሕጂ ደሃዮም ኣይተረኽበን ብምባል፡ ኣይ ኦ ኤም ኣባላቱ ነቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ተሪፎም ዝደሓኑ ረድኤት ከምዝቐረቡሎም ገሊጹ።

ናብ ገማግም ባሕሪ የመን ክበጽሑ ምስቀረቡ እቲ ኣስጋሪ ነቶም ስደተኛታት ናብ ባሕሪ ክእትዉ ገዲድዎም ይብል መግለጺ ኣይ ኦ ኤም።

“እቶም ዝደሓኑ ናይ መንግስቲ ኣካላት ሰራሕተኛታት ዝመስሉ ሰባት ምስረኣየ እቲ ኣስጋሪ ናብ ባሕሪ ኸምዝደፍኦም ንመሳርሕትና ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ነጊሮሞም፡” ይብል ሎረን ደ ቦክ ዝተባህለ ሓላፊ ልኡኽ ኣይ ኦ ኤም ኣብ የመን።

“ብተወሳኺ እቲ ኣስጋሪ ልሙድ ናይ ምስጋር ስርሑ ክቕጽልን በቲ ዝጸንሐ መገዱ ካልኦት ስደተኛታት ናብ የመን ከምጽእን ናብ ሶማልያ ተመሊሱ ኸምዘሎ ነጊሮምና፡” ይብል።

እቲ ናይ ኣይ ኦ ኤም ሓላፊ ኣብ የመን ስደተኛታት ኣብ መስመር የመን ዝረኽብዎ መከራ ዓቢ ኸምዝዀነ ገሊጹ። “ኣዝዮም ብዙሓት ንኣሽቱ ዝሓሸ መጻኢ ኣሎ ብዝብል ናይ ሓሶት ተስፋ ንኣሰጋገርቲ ይኸፍልዎም፡” ይብል ደ ቦክ።

ብመሰረት ኣይ ኦ ኤም፡ ካብ ጥሪ ክሳዕ ሕጂ 55,000 ዝበጽሑ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ የመን ተጓዒዞም። ሲሶ ኻብዚኣቶም ደቀንስትዮ ኸምዝዀና ይሕሰብ።

ኣብ የመን እቶም ስደተኛታት ብዕጡቓት ምስተን ኣብ የመን ኲናት ዘካይዳ ዘለዋ ብዙሓት ዕጡቓት ጉጅለታት ምትእስሳር ከምዘለዎም ብዝእመነሎም ዓንኬላት ጉጅለታት ኣሰጋገርቲ ብርቱዕ ውርደትን ዓመጽን ይወርዶም።

እቲ ኣብ የመን ዘሎ ግጭት ንርእሱ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ብመጋቢት፡ መንግስቲ ሶማልያ ንመንግስቲ ናይታ ነቲ ኣብ የመን ዘሎ ኺዳን እትመርሕ ዘላ ስዑድያ ኣብ ጥቓ ገማግም የመን ባሕሪ 42 ስደተኛታት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ብምፍጻማ ከሲስዋ ኔሩ።