ኣብ ገማግም ጂቡቲ ጃላቡ ብምጥሓለን ዓሰርተታት ይሞቱ

ኣብ መጻብቦ ባብ ኢል መንደብ ክልተ ጃላቡ ብምጥሓለን እንተወሓዱ 58 ሰባት ከምዝሞቱ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ብ1 ለካቲት ሓቢሩ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ጥቓ እታ ጎዶርያ ዝተባህለት፡ ኣብቲ ኦቦክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዞባ ሰሜን ምብራቕ ጂቡቲ እትርከብ ቦታ እተን ጃላቡ፡ ብመሰረት ናይቲ ኸባቢ መሰኻኽር፡ ካብ ምድሪ ካብ ዝብገሳ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣብ ኸውን ግዜ፡ ብሰንኪ ምጭቕጫቕን ብርቱዕ ሽታታትን ከምዘጋጠመ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዘውጽኦ ቓል ኣፍሊጡ።

ምጥሓል ናይተን ዓሰርተታት ኢትዮጵያውያን ስድተኛታት ኣሳፊረን ናብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ዝጕዓዛ ዝነበራ ጃላቡ ናይ መወዳእታ ሓደጋ ኻብቲ ካብ 2014 ዝጀመረ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዘተኰረ መስመር ስደት እዩ።

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት፡ ኣብ ገማግም ኦቦክ፡ ጂቡቲ ካብ 2014 ክሳዕ ሎሚ 199 ሰባት ከምዝሞቱን ቅድሚ እዚ ሓደጋ እዚ ሰለስተ ዓበይቲ ሓደጋታት ምጥሓል ጃላቡ ኸምዘጋጠመ ይሕብር።

“እዚ ዘሕዝን ፍጻሜ፡ ተሃሰይቲ ስደተኛታት ዝሓሸ ህይወት ከናድዩ ኽብሉ ዘጓንፎም ሓደጋታት ዘርኢ እዩ፡” ትብል ወኪል ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ላሊኒ ቪራሳሚ።

ምስ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ዝተዛረበ ወዲ 15 ዓመት እድ መሓመድ፡ ምስ ካልኦት 80 ኢትዮጵያውያን ኣብ ጃልባ ከምዘትጻዕነ ይገልጽ።

“እቲ መራሕ ጃልባ፡ ሞተረ ኣሸጋሪ ጸገም ከምዘለዎን እታ ጃልባ ኽትጥሕል ምዃናን ከምዝሓበረ እዩ። ድሕሪኡ እንታይ ከምዘጋጠመ ኣይፈልጥን እየ፡” ይብል።

“ኣብ ባሕሪ ብዙሕ ዘይጸናሕኩ’ኳ እንተዀንኩ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ካብ ዘጋጠመኒ ነገራት እቲ ዝኸፍአ እዚ እዩ። ኣምላኽ ስለዘድሓነኒ የመስግኖ፡” ይብል።

“ሕልሚ እዞም ስደተኛታት ንነብሶምን ንቤተሰቦምን ዝሓሸ ህይወት ስለዝዀነ ስራሕን ውሕስነት ዘለዎ ናብራን ክረኽቡን ሓድሽ ተኽእሎታት ከናድዩን ይብገሱ፡ መብዛሕትኦም ድማ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ጸገማት ክርድእዎ ኣዝዮም ንኣሽቱ እዮም፡” ይብል መሓመድ ዓብዲኬር፡ ኣዛዚ ስርሒታትን ኩነታት ድንገትን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ጂቡቲ ብታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ስደት።

“ኣብ ክንዲ እቲ ዝሓለምዎ ኣብ መገዶም ሓደጋን ውርደትን፡ እንተላይ ንግዲ ሰባት፡ የጓንፎም። መብዛሕትኦም ካብቶም የመን ክበጽሑ ዝኽእሉ ንነብሶም ኣብ ማእከል ኲናት ይረኽብዋ፡ ዝያዳ ግፍዕን ሓደጋን ድማ የረኽቦም።”

ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ብሸነኽ ኣፍሪቃ የመን ድማ ብሸነኽ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ዝርከብ መጻብቦ ባብ ኢል መንደብ ቀንዲ መሳገሪ ነጥቢ ኣሽሓት ካብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ድኽነትን ኲናት ዘምልጡ ስደተኛታት እዩ። እቶም ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን ዝዀኑ ስደተኛታት ክጕዓዙ ኸለዉ ምስቶም ካብ ኲናት ኣምሊጦም ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሰግሩ የመናውያን ኣብ መገዲ ይተሓላለፉ።

ዝበዝሑ ኻብቶም ኣብ 2018 የመን ዝበጽሑ 150,000 ስደተኛታት ኣደዳ ነጋዶ ሰባት ኰይኖም፡ ኣብ ጐነጽን ረጽሚን ተቐርቂሮም ወይ ድማ ኣብ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዘለዎ መዳጐኒ ማእከላት ተታሒዞም ከምዝርከቡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ይሕብር።

TMP – 08/02/2019

ስእሊ፦ ኣብ መንጎ ጂቡቲን የመንን ሰባት ዘጓዓዕዛ ናይ ጽዕነትን ምግፋፍ ዓሳን መራኽብ

ሰኣላይ፦ ቭላዲሚር መልኒክ/ሻተርስቶክ

The world is on the move

Millions of people are migrating right now, and most of them are facing the harsh realities of what migration means in the 21st century.

We provide facts and current news on migration in multiple languages that is easily understandable and accessible to migrants.

ዝያዳ ንምንባብ