ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን 29 ግዳያት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ-ሰብ ነጻ ኣውጺኦም

ብ 21 ለካቲት 2017፡ ሓይልታት ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ሱዳን ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ-ሰብ ብዝነጥፍ ጉጅለ ኣብ ከባቢ ሚደሲሳ ናብ ዞባ ከሰላ ጁሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ 29 ኤርትራያን ስደተኛታት ነጻ ከምዘውጽኡ  ተሓቢሩ።

እቶም ግዳያት ብናይ ሓጺን ሰንሰለት ተሞቚሖም ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ጥዕና ከምዝጸንሕዎም ፣ ኣዛዚ ናይ’ታ ነቶም ግዳያት ነጻ ዘውጸአት ኣሃዱ ዝኾነ ሜጀር ዓብደልከሪም ዓብደልዳፊ ይሕብር። ንሱ ወሲዂ፣ ሰለስተ ኣባላት ናይቲ ነቶም ግዳያት ጅሆ ሒዙ ዝጸንሐ ጉጅለ ከምዝተቐየዱ የረድእ።

ብመሰረት መግለጺ ሱዳናዊ ማዕከን ዜና (ሱና) ፣ ሾሞንተ ካብቶም ነጻ ዝወጽኡ ግዳያት ደቀንስትዮ ከምዝኾና፣ ሓደ ኣባል ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ድማ  ነቶም ግዳያት ነጻ ንምውጻእ ዝተኻየደ ስርሒት ምስ ኣባላት እቲ ጉጅለ  ኣብ ዝተገብረ ምልውዋጥ ተዂሲ ከምዝቖሰለ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ

ሱዳናዊት ጋዜጣ ኣልጣርቕ ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝወጽኡ ሕታማታት ዘስፈረቶ ሓበሬታ ፣ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ከምዝኾኑ ዝተነግረሎም ንዞባታት ከሰላን ገዳርፍን ኣብ ዘዳዉብ ጒለሕ ዝተባህለ ከባቢ ጂሆ ተታሒዞም ዝነበሩ  1,5000 ስደተኛታት ነጻ ከምዘውጹ ገሊጻ ነይራያ።

ካብ ቀዳሞት ኣመንጨውቲን መሰጋገሪትን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከምዝኾነት እትግለጽ ሱዳን፣ ካብ 2014 ጀሚራ ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ ተረርቲ ስጒምቲታት ከተማሕድር ምጽናሓ ይግለጽ። ኣብ 2014 ባይቶ እታ ሃገር ዘሕለፎ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግዲን ደቂ-ሰብ ደውው ዝብል ተሪር ሕጊ ሓደ ካብቶም ተረርቲ ስጒምትታት እዩ። እቲ ሕጊ ኣብቶም ተግባራት ኣብ ልዕሊ ዝነጥፉ ገበነኛታት ክሳዕ 20 ዓመታት ዝኸይድ ጽኑዕ ማእሰርቲ’ዩ ዘንጽፍ ።

ማሕበረሰብ ዓለም እውን ነቲ መንግስቲ ሱዳን ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ዘካይዶም ዘሎ ጻዕርታት ልዕሊ ካልእ እዋን ይተሓጋገዝ ከምዘሎ እዩ ዝንገር። ኣብ 2016 ኤውሮጳዊ ሕብረት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ስደተኛታት ውሑስ መነባብሮ ዝሰርሕ ትሕተ-ቅርጺ ዘደላድለሉን ጸጥታ ዶባቱ ዘሐይለሉን ልምዓታዊ መደባት ንምኩዋን ናይ 100 ሚልዮን ኤሮ ሓገዝ ከምዘረብ ይፍለጥ። ብዘይካዚ ካብ ገንዘባዊ ማዕከና ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኣፍሪቃ ዝስላዕ መንግስቲ ሱዳን ካብን ናብን ንዘብል ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ስደት ንምቊጽጻር ክኽእል ናይ 40 ሚልዮን ኤሮ ሓገዝ ረኪቡ’ዩ።