ቁጽሪ ናብ ስጳኛ ኽበጽሑ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ስደተኛታት ይውስኽ
ብ 9 ነሓሰ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደቡባዊ ስጳኛ ዝዘናግዑ ዝነበሩ በጻሕቲ ዝወሰድዎ ተንቃሳቓሲ ስእልታት ስደተኛታት ብጐማ ብእተሰርሐት ተነፋሒት ጃልባ ኽኣትዉ ኸለዉ ኣርእዩ።
ኣብ ኣውራጃ ካዲዝ ናይ ደቡብ ስጳኛ፡ 12 ኪሎሚተር ካብ ገማግም ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ጸሓይ ክጽለዉ ዝኸዱ በጻሕቲ ሰላሳ ዝዀኑ ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ሃንደበት ናብቲ ገማግም ክትበጽሕን እቶም ተሳፈርታ ብፍጥነት ሃዲሞም ክስወሩን ምስረእዩ ሰምቢዶም።
ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ኤ ኤፍ ፒ፡ ካብቶም 30 ዝበጽሑ ስደተኛታት ጸኒሖም ትሽዓተ ብሰብመዚ ስጳኛ ኽተሓዙ ኸለዉ፡ ኩላቶም ኣብ ዓሰርተታት ዕድመኦም ካብ ሞሮኮ ኸምዝተበገሱ ዝተገመቱ ንኣሽቱ ዀይኖም፡ ንኽጻረዩ ናብ መቐበሊ ስድተኛታት ክውሰዱ እዮም።
“እዚ ለውጢ ናብ ስጳኛ ዘሎ ኻብ ሞሮኮ ዝብገስ መስመር ደሓን ዝዀነ መገዲ ስለዝሕሰብ ዘጋጠመ ምዃኑ ኢና ንግመት፡” ይብል ኣፈኛ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ ኦ ኤም) ጆዌል ሚልማን።
ዋና ኣፈኛ ኣይ ኦ ኤም ፍላቭዮ ዲ ጃኮሞ፡ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ብዛዕባ ዘሎ ዘኽፍእ ዘሎ ዅነታት ምስሰምዑ መገዶም ይቕይሩ ኸምዘለዉ ዘለዎ ግምት ገሊጹ።
“ብጥሪ ብዙሓት ስደተኛታት ክውሕዙ ኸለዉ፡ ኣስገርቲ ነቶም ስደተኛታት ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ጃላቡ ምዕጋት ክጅምሩ ምዃኖም ስለዝንገርዎም ብታህዋኽ ይብገሱ ኸምዝነበሩ ሓቢሮምና። ስለዚ ድማ እኹል ሓበሬታ ኸምዘለዎም ንፈልጥ፡” ይብል ዲ ጃኮሞ።
ብዙሓት ካብቶም ብሞሮኮ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ዝጕዓዙ ዘለዉ ካብ ከም ሴኔጋል፡ ጋምብያ፡ ጊኒን ኮት ዲቭዋርን ዝኣመሰላ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተበገሱ እዮም።
ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ኣስገርቲ ኽትወስዶ ዝጀመረት ተሪር ናይ ምቍጽጻር ስጕምቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ስጳኛ ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ፡ ብዙሓት ህይወት ዘድሕና ሓካይም ብዘይዶብ (ኤም ኤስ ኤፍ) ዝርከብአን ውድባት፡ ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ ስጳኛ ልዕሊ ዓቕሙ ዝመልአን ንድሌታት ሓደስቲ ኣተውቲ ዘየአንግድን ምዃኑ ይገልጻ ኣለዋ።
ብመሰረት ሓደ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ጸብጻብ ውድብ ዘብዐኛ ሰብኣዊ መሰላት (ህዩማን ራይትስ ዎች)፡ ሓተትቲ ዑቕባን ካልኦት ብባሕሪ ናብ ስጳኛ ዝኣትዉ ስደተኛታትን ዝበዝሕ እዋን ኣብ ሕማቕ መቐበሊ ይተሓዙን ዑቕባ ንኽሓቱ መመልከቲ ከቕርቡ ይጽገሙን። ኣብ መደበራት ፖሊስ ኣብ ጓሮታት መደበራት ፖሊስ ንመዓልታት ክተሓዙ ይኽእሉን፡ ብዙሕ ግዜ ንነዊሕ እዋን ኣብ መዳጐኒ ክፍሊ ስደተኛታት ተታሒዞም ክጥረዙ ይጽበዩን።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ