ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ባሕሪ ንዝድሕኑ ስደተኛታት ወደባተን ኪኸፍታ ዉ/ሕ/ሃገራት ይጽዉዕ

ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታትን ፡ መንግስታት ሃገራት ኤውሮጳ ነቶም ኣብ ማእከልይ ባሕሪ ዝድሕኑ ስደተኛታት፡  ወደባተን ኪኸፍታ ኣትሪሮም ጸዊዖም። እቶም ክልተ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጻዊዕቶም፡ ሓደስቲ ስደተኛታት ናብ ገማግም ኤውሮጳ ኪዓልቡ ዝመርሕ ሓባራዊ ስምምዕ ኣይተበጽሐን ብዝብል ምኽኒት ነቶም ኣብ ጸገም ዝወድቊ ስደተኛታት መጽለሊ ምኽላእ ግቡእ ከምዘይኮነ ኣተሓሳሲበን ኣለዋ።

እቲ መጸዋዕታ ዝመጽእ ዘሎ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ነታ ልዕሊ 350 ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ኣድሒና ናብ ገማግም ኤውሮጳ ኽትጽጋእ ጠለብ ዘቕረበት ብ ሲ-ዎች-4 እትጽዋዕ ናይ ህይወት ኣድሕን መርከብ ዘየዕግብ መልሲ ድሕሪ ምሃበን እዩ። ኣባል ናይ’ታ ኣብ ምድሓን ህይወት እትነጥፍ መርከብ ዝኾነ ክሪስ ግሮዲዥ ከምዝሓበሮ ፡ እቶም ድሒኖም ኣብ’ታ መርከብ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ሕማም፡ ጽምኢን ጭንቂን ከምዝርከቡ ይሕብር።

ሓባራዊ መግለጺ እተን ክልተ ኣካላት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ፡ ሰባት ንምድሓን ኣብ ልዕሊ ዝካየዱ ስርሒታት መቕጻዕቲን ጽለኣትን ምዝያድ ግቡእ ከምዘይኮነ ኣተሓሳሲቦም።


TMP_ 14/09/2020

Photo Credit: istock/ Joel Carillet. Photo Caption: An inflatable boat filled with refugees and other migrants arrive on the north coast of the Greek Island of Lesbos.