ሞሮኮ ኣብ 2018 ክሳብ 89,000 ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኻብ ምብጻሕ ከምዝኸልከለት ትሕብር

ሞሮኮ 89,000 ዝበጽሑ ሰባት ብዘይስሩዕ ኣገባብ ናብ ኤውሮጳ ኻብ ምብጻሕ ከምዝኸልከለት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ብ17 ጥሪ ኣፍሊጡ። ሞሮኮ ንስደተኛታት ቀንዲ ናብ ኤውሮጳ እተትሓላልፍ መገዲ ኣብ እትዀነሉ ዘላ እዋን ካብ ናይ ዓሚ ናይ 37 ሚእታዊት ምውሳኽ ዋሕዚ ተራእዩ።

ክሳብ 80 ሚእታዊት ናይቶም ሞሮኮ ኣብ 2018 ዝኸልከለቶም ስደተኛታት በታ ሃገር ኣቢሎም ብምድርን ብባሕርን ናብ ስጳኛ ኽጕዓዙ ዝፈተኑ ዘይሞሮካውያን እዮም። ኣብ ባሕሪ 30,000 ዝዀኑ ኽድሕን ኸለዉ ልዕሊ 5,600 ካብቶም ዝተዓግቱ ብፍቓዶም ናብ ሃገራቶም ተመሊሶም። ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሞሮኮ ብተወሳኺ ኣብ 229 ጉጅለታት ምስግጋር ሰባት ከምዘፍረሰ ሓቢሩ።

ካብቲ ኢጣልያ ስደተኛታት ብሊብያ ኽሃልፉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝገበረትሉ ተሪር ኣተሓሕዛ ሞሮኮ እታ ዝበዝሑ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ዝሓልፉላ መስመር ኰይና ኣላ። ሞሮኮ ንዝበዝሑ ኣፍሪቃውያን ነጻ ቪዛ እያ እተፍቅድ። ብዙሓት ስደተኛታት ብምድሪ ኽሰግሩ እኳ ዝመርጹ እንተዀኑ፡ ካልኦት በቲ ናይ 14 ኪሎሜተር ናይ ጃልባ ጕዕዞ ኸስግርዎም ንኣስገርቲ ገንዘብ ይኸፍልዎም። እቲ ርሕቀት ሓጺር እኳ እንተዀነ፡ ካብቶም 2,217 ኣብ 2018 ኣብ መላእ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ህይወት እቶም 744 ሰባት ኣብዚ ሸነኽ እዚ ኸምዝጠፍአ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ዋሕዚ ዘይስሩዕ ስደት ንምዕጋትን ጉጅለታት ምስግጋር ሰባት ንምፍራስን ብ18 ጥቅምቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንሞሮኮ 140 ሚልዮን ክህባ ተማባጺዑ። ካብቲ ገንዘብ እቲ 30 ሚልዮን ድሮ ተሰጋጊሩ ኣሎ።

ፖሊስ ሞሮኮ ኣብዚ እዋን ካብ ካልእ ክፋላት ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ንዘዘውትርዎ ቦታታት ብተደጋጋሚ ሃንደበታዊ ፍተሻ የካይዱሉ። ብመሰረት ሮይተርስ፡ ኣሽሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ሰሜናዊ ሞሮኮ ተገፊፎም ብኣውቶቡሳት ናብ ደቡባዊ ጫፍ እታ ሃገር ይግዕዙ። ሞሮኮ ጉዳይ ንምርኣይ ስደተኛታት ከይኣሰረት እያ እትውስን።

“ወረቐት ዘይብሉ ትሕተ-ሳሃራዊ ብዘይሕጊ ዶብ ክሰግር ክዳሎ እንተሒዝናዮ ብቐሊሉ ካብ ሰሜን ናብ ካልእ ከተማታት ንኣልዮ፡” ኣዛዚ ምቍጽጻር ስደትን ዶባትን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሞሮኮ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝተዛረበሉ። “ካብ ኣብ ጥቓ ታንጄር ኣብ ዘሎ ጫካታት ምንባር ናብ ከም በዓል ማራኬሽ ዝኣመሰላ ኸተማታት ምንባር ይሕሾም፡” ይብል።

ኣብ 2018 ስጳኛ ናብ ኤውሮጳ ዝበጽሑ ዝበዝሑ ስደተኛታት እያ ተቐቢላ። ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 57,000 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ስጳኛ በጺሖም።


ስእሊ፦ ኣብ መንጎ እታ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ብሞሮኮ ዝተኸብበት መሊያን ሞሮኮን ዝተተኽለ ናይ ተሪር ሓለዋ ሓጹር። (ሻተርስቶክ)