ኢጣልያ ኣብ ሊብያ ዝርከብ መዳጐኒታት ንምምሕያሽ ሓገዝ ትቕርብ
ኢጣልያ፡ ዘይመንግስታውያን ሰብኣውያን ማሕበራት ነቲ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ንምምሕያሽ ዘውዕልኦ ሽድሽተ ሚልዮን ዩሮ ትህብ ኣላ።
እቲ ነተን ኣብ ሊብያ ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከላት ክሰርሓ ዝግደሳ ትካላት ዝኸውን ናይ ሽድሽተ ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ምልክታ “ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ እዚ፡” ክወጽእ ምዃኑ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ማርዮ ጂሮ ንማዕከናት ዜና ኢጣልያ ገሊጹለን።
“ሰብመዚ ሊብያ ኣብዚ ጉዳይ ሕዉሳት እዮም ዘለዉ፡ ክንሰርሕ ከፍቅዱልና ኽንሓቶም ኢና፡” ይብል ጂሮ።
ጂሮ ነተን ዝግደሳ ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝነበረ ኣኼባ ዝተሳተፋ ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ሓያሎ ሰብኣውያን ማሕበራትን ማሕበራት ረድኤትን ጻውዒት ኣቕሪቡለን። ጂሮ “ነዞም ሰባት ኣብ ገሃነም ክንድርብዮም ኣይንደልን ኢና፡” ኢሉ።
ጂሮ “ስለዚ እዩ ናይ ኢጣልያ ወኪል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ስጕምቲ ዝወስድ ዘሎ … ብዘይወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታትን፥” ክብል ኣረዲኡ።
ተወሳኺ ሰለስተ ሚልዮን ዩሮ ናብተን ማእከላት መዳጐኒ ስደተኛታት ዘለወን ከተማታት ሊብያ ክኸይድ እዩ።
እዚ ንዘይመንግስታውያን ትካላት ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ ሓደ ኻብቲ ተኸታታሊ መንግስቲ ኢጣልያ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ዘካይዶ ዘሎ ስጕምትታት እዩ። ብተወሳኺ፡ ኢጣልያ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ መንጎ ሊብያን ኢጣልያን ህይወት ዘድሕና ማሕበራት ዝኽተሎ ሕጊ ስራሕ ኣዊጃን፡ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዋሕዚ ስደተኛታት ክገትኡ ትሕግዝ ኣላን።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ