ሃንጋሪ ኣሽሓት ሓለውቲ ዶባት ከተሰልጥን’ያ
TMP – 28/03/2017
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ሓድሽ ጉጅለ ሓለውቲ ዶባት ከም ክፋል ናይቲ ደቡባዊ ዶባት ናይታ ሃገር ንምሕላው ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ሰልጢኖም።
ኣብቲ ኣብ ቡዳፔሽት ብ8 መጋቢት ዝተኻየደሎም ናይ መመረቕታ ስነስርዓት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን እታ ሃገር ነብሳ ክትልከላኸል ኣንጻር ዋሕዚ ስደተኛታት ክትቃለስ ከምዘለዋ ገሊጹ።
“እዚ ማዕበላት ኣየቋረጸን፡ ዝሒሉ ጥራይ እዩ ዘሎ፡” ይብል እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር። “ገና ብሕጂ ሚልዮናት ክብገሱ እዮም፡” ይብል ወሲኹ።
ናብታ ሃገር ዝኣንፈተ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብቲ እታ ሃገር ኣብ ደቡባዊ ዶባታ ሓጹር ዝተኸለትሉን ካብቲ ኣብ መንጎ ቱርኪን ሕብረት ኤውሮጳን ስምምዕ ዝተኸተመሉን እዋን ንድሕሪት ብዙሕ ቀኒሱ እዩ። እንተዀነ ግና መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ዋህዚ ስደተኛታት ክግንፍል ምዃኑ ይእምት።
እቲ ‘ሃደንቲ ዶባት’ ምስ ናይ ፖሊስ ዝመሳሰል ስራሕ እዩ ዝወሃቦም ዘሎ። ጥይት ዝመልኣ ሸጓጉጥ፡ ኣባትር፡ ተነጻጊ በርበረ፡ ከምኡውን መሸንከሪ ኣእዳው፡ ኣድላዪ እንተዀነ ድማ ብጸልማት ዘርኢ መነጸሪ ክወሃቡ እዮም። ብተወሳኺ ከም ኣተሓላዋ ሓጹር ዶብ፡ ኣተእሳስራ ስደተኛታትን ምልላይ ኣሰር ስደተኛታትን ይመሃሩ።
ኣድርያን ሄሮንያኒ ዝተባህለ ኣብ ምሃብ ኣገልግሎት መግብን መስተን ተቘጺሩ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ናይ ሓለዋ ኣሃዱ ኽሰርሑ ዝተመዝገቡ እዩ፡ “ ንሃንጋሪ ክንከላኸለላ ልዕሊ ኹሉ ነገር ዘገድሰና ነገር እዩ፡” ድማ ይብል።
ብዘይካ’ቲ ብትሪኮላታ ዝተዓጽወ መስመር ዶብ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብቲ ምስ ሰርብያ ዘዳውብ ሸነኽ ካልኣይ ሃጹር ክተክል ጀሚሩ ኣሎ። ኣብተን ዝሓለፋ ሰላሳ መዓልታት ልዕሊ 100 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከምተዳጐኑ ይሕብሩ።
ሓካይም ብዘይዶብ ኣብ ሊብያ ዝርከባ ጉጅለታቶም ሓለውቲ ዶባት ሃንጋሪ ኣብ ጉዕዞኦ ረኺቦም ዝቐጥቀጥዎምን ዝቐላልዕዎምን እናወሰኹ ዝኸዱ ዘለዉ ብዝሒ ስደተኛታት ከምዝሕክማ ይገልጹ።
መንግስቲ ሃንጋሪ ነቲ ክስታት ይኽሕዶ። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሸሞንተ ንዝተገመተ ግጉይ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዝምልከት ጉዳያት ተመርሚሩ ዝዀነ ይኹን ካብቶም “ስደተኛታት ብኣባላት ሓለዋ ዶብ ከምዝተሃስዩ ኣይተረጋገጸን” ይብል።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ