ህይወት ንምድሓን ዝግበር ጻዕሪ እናወሰኸ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ሞት ይውስኽ
TMP – 24/02/2017
ህይወት ንምድሓን ዝሰርሓ መራኽብ በዚሐን ክነሰን፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ሞት ካብ መወዳእታ 2016 ክሳብ ሕጂ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፡
ኣብ ቀረባ እዋን ብፍሮንቴክስ፡ ወኪል ሓለዋ ዶባት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ዝወጸ ‘ትንተና ተኽእሎ ሓደጋ’ ዘርእስቱ ጸብጻብ፡ ምብዛሕ ህይወት ዘድሕና መራኽብ ቁጽሪ ዝጥሕሉ ስደተኛታት ክውስኽ ይደፍእ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ጸብጻብ፡ “ብዘይብቑዓትን ልዕሊ ዓቕመን ዝተጻዕናን ጃላቡ ዝግበር ብዙሕ ሓደገኛ ምስጋር ባሕሪ፡ ብመራኽብ ህይወት ኣድሕን ንኽርከባ ተባሂሉ ኮነ ኢልካ ዝውደብ እዩ ኔሩ፡” ከምኡውን ናብ ሓደገኛ ጉዕዞ ዝብገሱ ስደተኛታት፡ “ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንምብጻሕ ብዛዕባ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ሰብኣዊ ሃገዝ ይፈልጡን ኣብኡ ይምርኰሱን ኔሮም፡” ክብል ይእምት።
ሰብመዚ ሕብረት ኤውሮጳ “ዘጕሂ ስግርንጢር ኵነት” ገጢምዎም ኣሎ ይብል ዋና ኣካያዲ ፍሮንቴክስ ፋብሪስ ለጌሪ። ብዝሒ ህይወት ከድሕና ዝብገሳ መራኽብ ክውስኽ ከሎ፡ ሕልና ዘይብሎም፡ ኣብ ባሕሪ ዝተገድዑ ስደተኛታት ንምድሓን ኣብተን ህይወት ዘድሕና መራኽብ ዝምርኰሱ ኣስገርቲ፡ ካብ እዋን ናብ እዋን ኣብ ዘይብቑዓት ንኣሽቱ ፕላስቲክን መግፈፊ ዓሳን ጃላቡ ቁጽሪ ዘጨቓጭቕዎም ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
“ከምዚ ዝርአ ዘሎ ኩሎም ኣብ ምድላይን ምድሓንን ሰባት ኣብ ማእከላይ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ ተዋፊሮም ዘለዉ ወገናት ብዘይፍላጥ ገበነኛታት ብዘተሓተ ወጻኢ ዕላምኦም ክፍጽሙን፡ ተኽእሎ ኣሳልጦ ስርሖም ብምውሳኽ ንመሓውር ንግዶም ከደልድሉ ይሕግዝዎምን ኣለዉ፡” ይብል እቲ ጸብጻብ።
ለጌሪ ኣብ 2016 ክሳብ 4500 ዝዀኑ ነፍሳት ምጥፍኦም፡ “ኣዝዩ ዘሕዝንን መኽንያቱ ርዱእ ነገርን እዩ፦ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ኣዝየን ንኣሽቱ ጃላቡ ተጻዒኖም ዝመጹ ዘለዉ ስደተኛታት እዩ፡” ይብል።
እቲ ጸብጻብ፡ ኣስገርቲ ኣብ ግዝኣታዊ ማያት ሊብያ ህይወት ዘድሕና ጃላቡ ኸምዘለዋ ብምፍላጦም ደፋራትን ጨካናትን ይገብሮም ኣሎ ይብል።
“ቅድሚ ዓመት ሓደጋታት ኣብ መንጎ ሊብያን ጥልያንን እዩ ዘጋጥም ኔሩ። ሎሚ ግን ኣብ ማያት ሊብያ፡ ኣብ ጥቓ ገማግም ሊብያ እዩ ዘጋጥም ዘሎ።”
ኣብዚ ዓመት፡ ካብ ናይ ዝሓለፋ ዓመታት ናይ ጥሪ ድምር ኣዝዩ ዝለዓለ፡ ካብ ሊብያ ናብ ጥልያን ኣብ ዘሎ መስመር እንተወሓደ 228 ሞት ኣጋጢሙ።
ሕብረት ኤውሮጳ 70% ካብቶም ካብ ኣፍሪቃ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ዝኸዱ ሰባት ካብ ኲናትን ጨፍለቕቲ ስርዓታትን ከምልጡ ዝመጹ ስለዘይኰኑ፡ ኤውሮጳ ምስበጽሑ ዑቕባ ክወሃቦም ኣጸጋሚ እዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ