ከተማ ካሌ ናይ ፈረንሳ ንስደተኛታት ዝወሃብ ናይ መግቢ ሓገዝ ትእግድ

TMP – 11/03/2017

ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ንስደተኛታት ዝግበር ናይ መግቢ ምጽወታ ዝኽልክል ኣዋጅ ኣውጺኣ። ዕላማ ናይቲ ምእጋድ ንስደተኛታት ዝዕደል መዐንገሊ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ካሌ ዝነበረ መዓስከር ስደተኛታት እንደገና ኸይምስረት ምእንቲ እዩ።

እቲ ኣብ ጥቓ’ቲ መዓስከር “ተደጋጋምን ዝተናውሐን ኣኼባታት” ዝእግድግ ኣዋጅ ከንቲባ’ታ ኸተማ፡ “ቀጻልን ተደጋጋን ምትእኽኻብ ናይቶም መግቢ ዝዕድሉ ሰባት” ንጸጥታን ሰላምን እቲ ኸባቢ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ይገልጽ።  

ከንቲባ ካሌ ናታሻ ቡሻርት “ንስደተኛታት ዝዕደል መግቢ ንምኽልካል” ዘኽእል ኣገባባት ከተተኣታቱ ምዃና ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ከተማኣ ዝግበር ምዕዳል መግቢ “ ብዓይኒ ሰብኣውነት ከምኡ ምባል ኣሰካፊ እኳ እንተዀነ፡ ብውልቀይ ግን ኣይድግፎን እየ፡” ክትብል ትውስኽ።

“እዚ ትእዛዝ ኣንጻር ምዝርጋሕ መግቢ ኣይኰነን፡ እንታይ ድኣ ኣንጻር ምትእኽኻባት እዩ፡ መክንያቱ እዚ ዘየድሊ ናይ ሕጊ ስርዓትን፡ ናይ ጸጥታን ናይ ጽሬትን ጸገማት ክፈጥር ስለዝኽእል፡” ትብል።

እዚ ምዕዳል መግቢ ከምዝቋረጽ ዝገብር ኣዋጅ፡ 400 ዝበጽሑ መብዛሕቶኦም ዘሰኒ ዘይብሎም ህጻናት ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ናብቲ ናይ ጫካ መጽለሊ ክምለሱ ምስተራእዩ እዩ ዝወጽእ ዘሎ።

“ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ቀጻልን ልዑል ቁጽሪ ዘለዎ ምትእኽኻብ ሰባት ኣብ ሓደ ኸባቢ ናይ ካሌ ተራእዩ። ህላወ ናይቶም ሰባት ብሰንኪ ኣብቲ ኸባቢ ዝዕደል መግቢ እዩ፡” ይብል ቡሻርትዘውጽኣቶ መግለጺ።

ኣብቲ ኸባቢ ዝተቘጽሩ ሰራሕተኛታት፡ ብፍላይ ወነንቲ ትካላትን ወከልቲ ቁጠባዊ ህይወት እቲ ኸባብን፡ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ እቶም ስደተኛታትን ኣብ መግቢ ዝዕደለሉ ግዜ ጐንጺ ኸምዝተፈጥረ ገሊጾምለይ፡” ትብል ኣብቲ መግለጺ።  

ወሲኻ “ስለዚ እየ፡ ተወሳኺ ረበሻ ንምክልኻል፡ ዝዀነ ምትእኽኻባት ዝኽልክል ትእዛዝ ክውጽእ ዝተገደድኩ፡” ትብል።

ነቲ ማዕቀባት ዝዝርዝር ሕጋዊ ሰነዳት ኣብ ጥቓ እቲ ስደተኛታት ዝእከቡሉ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝዓነወ መዓስከር ዝርከቦ ቦታ ተጠቂዑ ቐንዩ።

ሓደ ኻብቶም ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ስድተኛታት ብወለንታ ኽሕግዙ ዝቐነዩ፡ ብ2 መጋቢት፡ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስ ነቶም ወለንተኛታት ኣብ ሓደ ጥቓ ጽርግያ ዝርከብ ቃልዕ ቦታ ን30 ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ቁርሲ ኸይዕድልዎም ከምዝበተንዎም ይገልጽ።

“ኣብዚ ዘሎ ኹነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣጸጋሚ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። ድቃስ ኣይረኽቡ፡ ክሕጸቡ ኣይክእሉ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናደኸሙ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ብዛዕባ መጻኢኦም ኣኢና ኢና ንሻቐል፡” ትብል ሳራ ኣሮም ዝተባህለት ወለንተኛ ሰራሕተኛ ረድኤት።