ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ $241 ሚልዮን ይሓትት
ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ድሕነት ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ዘብሉ ስደተኛታት ንምውሓስን ትርጉም ዘለዋ ኣማራጺታት ንምቕራብን 421 ሚልዮን ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ክውፈየሉ ሓቲቱ።
እቲ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትሕተሳሃራ ኣፍሪቃ ናይ ዝርከቡን ምድረበዳ ሳሃራን ማእከላይ ባሕርን ናይ ዘቋርጹን ስደተኛታት ድሕነት ምሕላው ምምሕያሽ ክግበረሉ እዩ ዝደሊ።
“ሳሃራን ማእከላይ ባሕርን ዝስንጥቕ ምንቅስቓስ ሳገምትን ስደተኛታትን ኣዝዩ ዘሰምብድ ቁጽሪ ሰባት እዩ ዝቐትል ዘሎ፡” ይብል ቪንሰንት ኮቸተል፡ ፍሉይ ልኡኽ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ኣብ ኩነታት ማእከላይ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ።
ወሲኹ “ነዚ ጕዕዞታት እዚ ዝትክእ ትርጉም ዝህብ ኣማራጺታት ክንፈጥር ኣለና ወይ ድማ እቲ መከራን ሞትን ክቕጽል እዩ። ንዝጸንሐ ተግባራት ከነዕብዮ ወይ ድማ ሓድሽ ኣተግቢርና ኣብ ምሕላው ድሕነት እቶም በየወገኖም ብዝርከቡ መስመራት ናብ ሊብያ ዝውሕዙ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዘስልጥ መገድታትን ኣገባባትን ከነዳሉ፡ ከምኡውን ኣብዚ ዕዮ እዚ ንዘሎ ጽምዶ ኹሎም ተገደስቲ ኣካላት ክንድግፎ ኢና ንደሊ፡” ይብል ኮቸተል።
እቲ ዝውህለል ገንዘብ ብዛዕባ ኽሳራታት ዘይስሩዕ ስደት ኣፍልጦ ንምዕባይ፡ ምስ ኣባላት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዕዞታት ንኽብገሱ ዝቐረቡ ዝበሃሉ ማሕበረሰባት ርኽክብ ንምዕባይ፡ ንኣገባባት ምስግዳድ ሕጊ ምድጋፍ፡ ንጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣትኵሮ ንምሃብን ነቶም ኣብ ባሕሪ ዝደሓኑ ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝህሉ ኣብ ምግባርን ክውዕል እዩ።
ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ እቲ ውድብ ንምውሓስ ድሕነት ሳገምቲ ከመሓይሽ፡ ንኣግልግሎት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ስልጠና ንምሃብ፡ ከምኡ ድማ ነቶም ኣብ ባሕሪ ዝደሓኑ ሓገዝ ከምዝዳሎ ኸረጋገጽ ይደሊ።
ቍጽሪ ናይቶም ብሊብያ ኣቢሎም ኤውሮጳ ዝበጽሑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ ግዜ እቲ ዝገጥሞም ሓደጋታት እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ናይዚ ዓመት ብውሑዱ 2.170 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ ሞይቶም ወይ ጠፊኦም፡ ካልእት ከኣ ቅድሚ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ምብጽሖም ጠፊኦም።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ