ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ሬሳታት 11 ስደተኛታት ይረክብ

ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ጥቓ እታ ካብ ትሪፖሊ 70 ኪሎሜተር ርሒቓ እትረብ ሳብራታ ብ22 ሚያዝያ ናብ ኤውሮጳ ኽሰግሩ ኽፍትኑ ኸለዉ ኣብ ባሕሪ ናይ ዝጠሓሉ 11 ስደተኛታት ሬሳታት ከምዘውጽአ ገሊጹ።

“ኣብ ፍቕያ ዝነበራ ኽልተ ጃላቡ ሓለዋ ባሕሪ ሬሳታት 11 ስደተኛታት ኣውጺአንን 83 ካልኦት ካብ ገምገም ባሕሪ 8 ኪሎሜተር ርሒቖም ኣብ ጐማ ጃልባ ዘንሳፍፉ ዝነበሩ ስደተኛታት ኣድሒነንን፡” ይብል ኣፈኛ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ጀነራል ኣዩብ ቓስም ምስ ሺንሁዋ ብዛዕባ እቲ መስርሕ ምድሓን ህይወት ዝብ ዝተዛረበሉ። “እቲ እትዘውር ዝነበረት ናይ ሓለዋ ጃልባ ኣብኡ ኽትበጽሕ ከላ እታ ጃልባ ተሴራ እያ ኔራ፡” ይብል።

ካልአይቲ ኣብ ጥቓ እታ ካብ ትሪፖሊ 135 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ዝሊተን ዝተታሕዘት ጃልባ 200 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ ድማ ዜጋታት ፓኪስታን፡ ባንግላደሽን ህንድን ዝዀኑ፡ 38 ኣንስትን ሓደ ቘልዓን ዝርከብዎም ስደተኛታት ጽዒና ኔራ።

ካብ ዝሓለፈ ሓምለ ኽሳዕ ሕጂ፡ ድሕሪ እቲ መንግስቲ ሊብያ ብኢጣልያ ተደጊፉ ንንኣሽቱ ዕጡቓት ጉጅለታት ምስጋር ስደተኛታት ከቋርጹ ዝገበሮ ድፍኢትን ንሓለዋ ባሕሪ ስደተኛታት ክዓግቱ ዝገበርዎ ደገፍን ርኡይ ምጕዳል ቁጽሪ ተሳገርቲ ማእከላይ ባሕሪ ተራእዩ እዩ።

ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ምዕጋት ናብ ኤውሮጳ ኽሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ካብ ዝብርትዕ ንደሓር ልዑል ምጕዳል ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ዝተራእየለን ኣዋርሕ ሚያዝያ ተኸታታሊት 10ይቲ ወርሒ ዀይና ኣላ።

ሓይሊ ባሕርን ሓለዋ ባሕርን ኢጣልያ፡ ሓይሊ ባሕርን ሓለዋ ባሕርን ሊብያ፡ ልኡኽ ሓልይሊ ባሕሪ ሕብረት ኢውሮጳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ከምኡ ድማ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ህይወት ናይቶም ኣብ ሰንኮፋት ጃላቡ ተጨቓጪቖም ባሕሪ ኽሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ኣብ ምድሓን ንጡፋት እዮም። ዝበዝሑ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ተመሊሶም ክሳዕ ናብ ሃገራቶም ዝምለሱ ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ይእሰሩ።

ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት 3,479 ሰብኡት፡ ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ተመሊሶም።

ኣይ ኦ ኤም፡ ካብ 1 ጥሪ 2018 ክሳብ ሳልሳይ ሰሙን ሚያዝያ 5,775 ስደተኛታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ወርሒ ድማ 12,000 ስደተኛታት ናብ ሃገራቶም ክምለሱ ኸምዝሓገዘ ይሕብር። ኣይ ኦ ኤም ካብ ምእታው 2017፡ ብድምር 25,145 ካብ 30 ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ሰብኡት፡ ኣንስትን ቈልዑን መሊሱ።

ስእሊ፦ ሲ. ፔትረ/ ኣይ ኦ ኤም። ሓደ ኻብቶም ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ትሪፖሊ ዝርከቡ ህጻናት

 

TMP – 17/05/2018