ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ሞያዊ ስልጠናን ዕድላት ስራሕን ዝኸፍት መደብ ተውፍር
መንግስቲ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ምስ ኣብ ከባቢኦም ዘለው ማሕበረ–ሰባት ተጸንቢሮም ክነባበሩ ዘኽእል ናይ 4 ዓመት መደብ መዊሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ። እቲ ሞያዊ ስልጠናን ዕድላት ስራሕን ንምስፋሕ ዝዓለመ መደብ ቀዳምነት ሂብዎም ብዘሎ ከባቢታት መሰረት፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ–ኣበባን ክልላት ስማልን ቤንሻንጉል–ጉምዝን ዝነብሩ ስደተኛታትት ከምኡ’ውን ማሕበረ–ሰባት ተጠቐምቲ ክኾኑ’ዮም።
ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ሳህለ ተካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ብቕዓትን ዓያይነትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታትን ኢትዮጵያውያን ማሕበረሰባትን ንምትርናዕ ዓሊሙ ነቒሉ ዘሎ መደብ ንኣሽሓት ስደተኛታት ናይ ስራሕን ትምህርትን ዕድላት ፈጢሩ ነብሶም ክኽእሉ ልዑል ተራ ክጻወት ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
እቲ ሚኒስተር ኣብ ወግዓዊ ምኽፋት እቲ ብ 17 ጥቅምቲ ዝተበገሰ መደብ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ እቲ መደብ ኣብ ፈለማ ንኣስታት 1,500 ስደተኛታትን ኢትዮጵያውያንን ሞያዊ ስልጠና ብምሃብ ኣብ ዓውዲ ስራሕ ተወዳደርቲ ንምግባሮም ተሊሙ ምህላው ሓቢሩ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ምሕያል ክኢላዊ ዓቕሚ መንእሰያት ኢትዮጵያን ምስፋሕ ዕድላት ስራሕን ቀጻሊ ወፍሪ የካይድ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ናይ’ዚ ዓመት መንግስቲ ዓባይ–ብሪጣንያ ኣብ ምፍጣር ዕድላት ስራሕን ምህዳስ ስርዓተ–ግብርን ኢትዮጵያ ዝውዕል ናይ 115 ሚልዮን ፓንድ ስተርሊን ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ከምዝኸተመ ይዝከር።
ኢትዮጵያ ኣዕቚባቶ ብዘላ ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ያ ትስራዕ። ኣብ ሽዱሽተ ክልላት እታ ሃገር ኣብ ዝርከባ 27 መዓስከራት ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ደቡብ–ሱዳን፡ ሶማልን የመንን ምዃኖም ዝንገረሎም ከባቢ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ይርከቡ።
ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልልታ ሶማልን ቤንሻንጉል–ጉምዝን ብጠቕላላ ከባቢ 320,000 ስደተኛታት ክህልው እንከለው፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ–ኣበባ ድማ ከባቢ 22,000 ስደተኛታት ይነብሩ። ልዑል ቁጽሪ ስደተኛታት ነታ ሓደ ርብዒ ካብ መንእሰያ ስራሕ–ኣልቦ ዝኾነት ሃገር ቀጻሊ ሰኸም ይኾና ምህላው’ውን ይግለጽ።
እዚ ነቒሉ ዘሎ ሓድሽ መደብ ናይ ስልጠና ፈተንኡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ‘ኮሌጅ ፖሊቴክኒክ ንፋስ’ ከምዝፈለመን፡ ዝቕጽል መድረኻት ኣብ’ተን ኣብ ክልላት ሶማልን ቤንሻንጉል–ጉምዝን ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ክስዕብ ከምዝኾነን ይሕበር።
ካብ ምዝዛም ዓመተ 2016፡ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ኣብ ከባቢኦም ምስ ዘለው ማሕበረ–ሰባት ኢትዮጵያ ተጸንቢሮም ክነብሩ ንምኽእል ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ኣጠቓላላሊ ፍታሕ ዘንጽፍ መርሓ ኣብ ምውፋርን ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ካልኦት ኣህጉራውያን ኣካላትን ስትራተጂካዊ ዝምድናታት ኣብ ምውሓስን ዓቲባ ትሰርሕ ምህላዋ ይንገር።
TMP – 31/10/2018
Photo: NRC
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ