ሰብመዚ ኢጣልያ 1,500 ስደተኛታት ዝቕመጡሉ መዕቀሊ ኣፍሪሶም
ኣብ ሓደ ኣዝዩ ዓቢ ግዝያዊ መዕቀሊ ኣብ ደቡብ ኢጣልያ ዝቕመጡ ዝነበሩ 1,500 ስደተኛታት ተኣልዮም። እቲ ኣብ ሳን ፈርዲናንዶ ዝተካየደ ምእላይ ኣብዚ እዋን ኣብ ስልጣን ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ መንግስቲ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ናይ ፈለማ እዩ።
ጸረግቲ መካይን ነቲ 400 ዝኸውን ግዝያዊ መጸለሊ ኣብ ዝኣልያሉ ዝነበራ፡ ሽሕ ዝበጽሑ ኣባላት ፖሊስ ነቲ ቦታ ኣኽቢቦሞ ኔሮም።
“ከም መብጽዓና … ካብ ቃላት ናብ ግብሪ ሓሊፍና፡” ይብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማቴዮ ሳልቪኒ።
ከንቲባ ሳን ፈርዲናንዶ ዝዀነ ኣንድረያ ትሪፖዲ ኣቐዲሙ ኣጢ መዓስከር ስግኣት ሓደጋ ጥዕናን ሓውን ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ እዩ። ብመሰረት ሓበሬታ መንግስቲ እቶም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ናብ መቐበሊ ማእከላት ክውስዱ እዮም።
እንተዀነ ግና እቶም ኣብ ሕርሻታት ኣውሊዕን ብርትዃንን ዘይሕጋውያን ሸቃሎ ዀይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ምእላይ ብምሉእ ልቦም ኣይተቐበልዎን። ብዙሓት ካብኣቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝባደመ ኣባይቲ ደልዮም ናብቲ ሕርሻታት ቀረባ ዀይኖም ክጸንሑ ኸምዝዀኑ ንጋዜጠኛታት ገሊጾምሎም።
ብመሰረት ዘ ጋርድያን፡ እቶም ዘይሕጋውያን ሸቃሎ ንእሽቶ ምቃል ናይቲ ብሕጊ ዝፍቀድ ዝተሓተ ደሞዝ እዮም ዝኽድፈሉ። ኣብ ሰዓት ክሳዕ 2 ኤውሮ ዝምትሓቱ እናተኸፍሉ ሰለስተ ርብዒ ኻብኣቶም ውዕል ስራሕ የብሎምን። ኣብ እዋን ምእካብ እቶት ክሳዕ 3,000 ዝበጽሑ ዘይሕጋውያን ሸቃሎ ኣብዚ ኸባቢ ብዘይ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ማይ ወይ ዓይኒ ምድሪ ይቕመጡ።
እቲ መዕቀሊ ቕድሚ ሕጂ ውን ፈሪሱ ኔሩ እዩ እንተዀነ ግና ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ከይደንጐዩ እዮም ዝምለስዎ። ኣብዚ እዋን ሰብ መዚ እቲ ኸባቢ “ኩሉ ዘድሊ ዘበለ ስጕምትታት” ብምውሳድ እቲ መዕቀሊ ኸምብሓድሽ ከይስፈር ክከላኸልዎ ምዃኖም ይገልጹ።
TMP – 22/03/2019
ስእሊ፦ ኣንቶንዮ ኣሪኮ/ ሻተርስቶክ። ኣብ መዕቀሊ ሳን ፈርዲናንዶ ዝነበረ ግዝያዊ ኣጓዱ ምስተጋሕጠ ዝተኣከበ ገፈጥ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ