ፖሊስ ፈረንሳን ስጳኛን ንሓደ መርበብ ምስግጋር ሰባት ብምድቓቕ 29 ኣባላቱ ቀይዶም
ፖሊስ ስጳኛን ፈረንሳን ብምትሕብባር ኤሮ-ፒል (ፖሊስ ኤውሮጳዊ ሕብረት) ንሓደ ካብ ዓበይቲ መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብምድቓቕ 29 ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ አእትዩም።
እቲ መርበብ ገበነኛታት፡ ሓደ ስጳኛዊ መራሒ መኪና 22 ስደተኛታት ጽዒኑ ናብ ፈረንሳ እንዳስለዄ ብፖሊስ ፍረንሳ ድሕሪ ምቕያዱ ኣብ ክትትል ከምዝኣተወ ፡ ድሒሩ ብፖሊስ ስጳኛ ኣብ ዝቐጸለ ስፍሕ ዝበለ ምርመራ ድማ እቲ መርበብ ገበነኛታት ካብ ሞሮኮ ፡ ብመንገዲ ስዓኛ ክሳዕ ፈረንሳ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዘካይድ ሰፊሕ መርበብ ምዃኑ ከምዝተቓልዐ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ መርበብ ሓደስቲ ስደተኛታት ንኽረክብ ደቂ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ደላሎ እዩ ከውፍር ጸኒሑ። እቶም ዝርከቡ ስደተኛታት ድማ ኣብ ወደባዊት ከተማ ኣልመርያ ናይ ስጳኛ ከምዝእከቡ ተግይሩ ናብ ፈረንሳ ንምስላኾም ይፍተን።
ብዘይካ’ዚ፡ እቲ መርበብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ መጻንሒ ማእከላት ስጳኛ ዝርከቡ መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ዕላማ ክገብሮም ምጽንሑ ዝጠቐሰ ኤሮ-ፖል፡ ነቶም ቆልዑ ካብ’ቲ መጻንሒ ማእከል ኪሃድሙ እንዳተባብዐ ናብ ምዕራባዊ ክፋል ኤውሮጳ ኣብ ዘሎ ሓደገኛ ጉዕዞ ክጽንበሩ ክሰርሕ ምጽንሑ ኣረዲኡ።
ብመሰረት መግለጺ ኤሮ-ፖል፡ በቶም ምስ ኣባላት ፖሊስ ፈረንሳን ስጳኛን ዘካየዶም ስርሒታት ፡ 26 ጥርጡራት ኣብ ስጳኛ ሰለስተ ካልኦት ድማ ኣብ ፈረንሳ ክቕየዱ እንከለው፡ ኣብ ልዕሊ 14 ገዛውቲ ድሕሪ ዘካየዶ ተፍትሽ 36,534 ዶላር ኣሜሪካ፡ ብርክት ዝበለ ትምዩን ሰነዳት፡ ኮምፒዩተራት፡ ልዕሊ 200 ኪሎ ሓሺሽ ከምኡ’ውን ክልተ ተሽከርከርቲ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ከምዝኣተወ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኤሮ-ፖል ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ምድቓቕ ዝተወደባ መርበባት ንግድን ምስግጋርን ደቂሰባት ዝነጥፍ ሓድሽ ሓይሊ ዕማም ምውፋሩ ይዝከር።ኣብ 2019, መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዛጊት ልዕሊ 46,000 ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ከምዘስሎኻ ይንገር። ማእከላይ ባሕሪ ካብ ቀተልቲ መስመራት ጉዕዞ ስደተኛታት ኮይኑ ይቕጽል እንዳሃለወ፡ እዘን መርበባት ነቲ ሓደገኛ መስመር ካብ ምጥቃም ኣየዕረፋን ። ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ’ዚ ዓመት ዛጊት ህይወት ልዕሊ 900 ስደተኛታት ኣብ’ቲ ማያዊ መስመር ጠፊኡ ከምዘሎ እዩ።
TMP 02/10/2019
ስእሊ፡ ቩልካኒ/ ሻተርስቶክ ኮም
ማዮርካ፡ ስጳና- ጥሪ 13 ፡ 2019: መኪና ፖሊስ ከተማ ፓልማ ዲ ማዮርካ
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ