ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት በደላት ዝፈጸሙ ሰለስተ ሰባት ኣብ ጥልያን ተታሒዞም

ኣቐዲሞም ኣብ ሓደ መዳጎኒ መዓስከር ስደተኛታት ሊብያ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ስደተኛታት ጾታውን ኣካላውን ዓመጻት ፈጺሞም ዝተባህሉ ሰለስተ ጥርጡራት ብ ፖሊስ ጥልያን ተቐዪዶም። እቶም ዝተኣስሩ ሓደ ወዲ ጊኒ እቶም ክልተ ድማ ግብጻውያን ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ ሲሲሊ ኣብ ዝርከብ መመዝገቢ ማእከል ሓደስቲ ስደተኛታት ብገለ ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ስደተኛታት ድሕሪ ምልላዮም እዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። 

ነቶም ገበነኛታት ዘለለዩ ስደተኛታት፡ በቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ሰባት ኣብ ሕሱም መዳጎኒ ማእከል ዛውያ ናይ ሊብያ በደላት ከምዝወረዶም መስኪሮም ኣለው። ኣብ’ቲ ማእከል ስደተኛታት ተወሳኺ መልቀቒ ገንዘብ ክሳብ ዝኸፍሉ ዝጽፍጸፍሉ ናይ ሓጺን ኮንተይነር ከምዘነበረን ክሳዕ 6,500 ዶላር ኣሜሪካ ክኽፍሉ ይግደዱ ምንባሮምን እዉን ተዛሪቦም።

 “ንስድራና መልቀቒ ገንዘብ ክፈሉልና ክንብሎም ተሌፎን ይህቡና ነይሮም፡” ይብል ሓደ ሓታቲ ዑቕባ ንሰብ መዚ ጥልያን ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት። ንሱ ወሲኹ ኣብ እዋን ማእሰርቱ ክልተ ሰባት ከምልጡ ኣብ ዝፈተኑሉ ብጥይት ተወቒዖም ክሞቱ ብዓይኑ ከምዝረኣዩ ይዛረብ።

እቶም ምስክርነት ዝሃቡ ስደተኛታት ከምዝሓበርዎ’ ኣብ’ቲ መዳጎኒ ማእከል ሓንቲ ዝነቐጸት ባኒ ምስ ጨዋም ማይ ባሕሪ ጥራይ ይወሃቦም ከምዝነበረ፡ ዳርጋ ኩለን ደቀንስትዮ ስደተኛታት ድማ ብተደጋጋሚ ዓመጽን መግረፍቲን ከምዝወረደን ክፍለጥ ተኽኢሉ ኣሎ።

እቶም ምስክርነቶም ዝሃቡ ግዳያት ኣብ’ቶም ብሕሱም ኣተሓሕዛ ዝልለዩ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ካብ ሓምለ 2018 ጀሚሮም ዝተታሕዙ ኮይኖም ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን እዮም ናብ ሲሲሊ ኣትዮም።

ብመሰረት መግለጺ ፖሊስ ጥልያን እዉን እቶም ምስክርነቶም ዝሃቡ ስደተኛታት ብ ኣባትር፡ ሰደፍ ብረትን ትቦታት ማይን ቀጻሊ ከምዝተገርፉ፡ ኣካላቶም ድማ ብኤለክትሪክ ክሓሩ ከምዝተገብረ ክፍለጥ ተኽኢሉ። ብዘይካ’ዚ ሓያሎ ካብኣቶም ሞት ናይ ገለ መዳጉንቶም ብዓይኖም ከዝረኣዩ፡ ከምኡ’ውን ብሰንኪ ኣዝዩ ትሑት ቀረባት ጥዕና ሓያሎ ብሕማምት ይሳቐዩ ምንባሮምን ፖሊስ ጥልያን የሕብር።

እቶም መስከርቲ ወሲኾም፡ ሓላፊ ናይ መዳጎኒ ማእከል ዛውያ  ዖሳማ ዝበሃል ሊብያዊ ከምዝኾነ ይሕብሩ። “ ንሱ (ዖሳማ)ኩሉሳዕ ክልተ ብረት ምስ ዓጠቐ እዩ፡  ንሱን ብጾቱን ድማ ሓያሎ ደቀንስትዮ ብጉጅለ ዓሚጾም እዮም፡” ይብል ሓደ ካብ’ቶም መስከርቲ። ሓደ’ውን ወሲኹ ፡ ብዙሓት ብኤለክትሪክ ተገሪፎም ህይወቶም ክስእኑ ብዓይኑ ከምዝረኣየ ይዛረብ።  

ሓደ ኣኽባር ሕጊ ሲሲሊ ንምስክርነት እቶም ግዳያት መርኲስ ብምግባር ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ፡ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ በደላት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ስለዝኾነ ኣህጉራዊ ግንዛቤ ክረክብ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ክሳዕ ወርሒ ሓምለ ናይ’ዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 5,000 ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለያ መድጎኒ ማእከላት ሊብያ ተታሒዞም ከምዘለዉ እዩ ሰነዳት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት ኣይ.ኦ.ኤም ዘረድእ።

TMP 02/10/2019

ስእሊ፥  ሮበርት ፔልቶን/ MOAS.eu

ሓንቲ ካብ’ተን ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ኣቡ-ሰሊም ዝርከባ ስደተኛታት