ቬና ካብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውዕል ስደት ተንሳሕብ
ኦስትርያ ነቲ ኣህጉራዊ ምሕደራ ዋሕዚ ስደትን ስደተኛታትን ክውን ንምግባር ዓሊሙ ተነዲፉ ዘሎ ውዕል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ምኽታም ክትቁጠብ ምዃና ሓቢራ። መንግስቲ እታ ሃገር ፡ እቲ ውዕል ዓለማዊ ዋሕዚ ስደት ኣብ ምምምሕዳር ዘተኣማም ብቕዓት ዝጎድሎ፡ ንስሩዕን ዘይስዕን ዋሕዚ ስደት ዝፈሊ ዶብ ዘደብዝዝ፡ ከምኡ ድማ ንልዑላዊ ግዝኣት ሓንቲ ሃገር ዝፈታተን ምዃኑ’ዩ ዝምጉት።
ኣባላት ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ተነዲፉ ዘሎ ውዕል ኣብ’ቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ከተማ ምራኩሽ ናይ ሞሮኮ ዝቃናዕ ዋዕላ እየን ክኽትማሉ ተመዲቡ ዘሎ።
“ኦስትርያ ነቲ ኣህጉራዊ ውዕል ኣይክትጽንበሮን እያ፡” ዝበለ መራሒ እታ ሃገር ቻንስለር ሰባስትያን ኩርዝ፡ “እቲ ብደቒቕ ክንከታትሎ ዝጸናሕና ውዕል ንጉዳይ ሓተቲ ዑቕባን ናይ ቁጠባ ስደተኛታታን ዝደባልቕ ቁመና ሓደ ካብቲ ድኻማት’ዩ፡” ኢሉ።
እቲ ኦስትርያዊ መራሒ ወሲኹ፡ ሃገሩ ኣብ’ቲ ኣብ 2019 ዝቃናዕ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ውዕል እወታዊ ድምጺ ካብ ምሃብ ኽትቁጠብ ምዃና ኣረዲኡ።
ኦስትርያ ነቲ ኣህጉራዊ ውዕል ምኽታም ኣቐዲመን ዝሓንገዳ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሃንጋሪን ተኸቲላ መበል ሳልሰይቲ ሃገር ኮይና ኣላ። ፖላንድ’ውን ኣብ ልዕሊ እቲ ውዕል ዘይዕጉብነታ ተድምጽ ብምህላዋ ኣሰር እተን ሰለስተ ሃገራት ክትስዕብ ልዑል ግምት ኣሎ።
ቻንስለር ኩርዝ ዝመርሖ ህዝባዊ ሰልፊ ኦስትርያ ምስቲ ዝተላፈኖ ሰልፊ ናጽነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2017 ስልጣን መንግስትነት ምሓዙ ይፍለጥ። እቲ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣንጻር ዋሕዚ ስደተኛታት ክቃለስ ምዃኑ ድሕሪ ምውዕዋዑ እዩ ብሰፊ ህዝባዊ ደገፍ ስልጣን ወኒኑ።
“ስደት ከም ሰብኣዊ መሰል ክውሰድ ግቡእ ኣይኮነን፡” ዝበለ ምክትል ቻንስለር ኦስትርያ ሄንዝ ክርስትያን ስታርክ፡ “ ናብ ሃገርና ክመጽእ ዝኽእል ሰብ ብናትና ውሳነን ፍቓድ ጥራይ’ዩ!” ኢሉ።
እቲ ዘይቀያዲ ኣህጉራዊ ውዕል ስደት ኣብ’ቲ ብ 13 ሓምለ ናይ’ዚ ዓመት ዝተቓነዐ መበል 72 ርክብ ሓፈሻዊ ባህቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ ተነዲፉ። ብመሰረት መግለጺ ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ባይቶ እቲ ውድብ ኣቶ ሚሮስላቭ ላጅቻክ፡ እቲ ውዕል ስደት ንምትብባዕ፡ ከምኡ’ውን ደው ንምባሉ ዝዓለመ ከምዘይኮነን ልዑላዊ ግዝኣት ሃገራት ዘኽብር ምዃኑን እዩ።
“መንግስቲ ኦስትርያ ዝወሰዶ ውሳኔ ኣዝዩ ኣጉህዩና። ስደት ኣህጉራዊ ፍታሕን ሓላፍነትን ዘድልዩ ኣህጉራዊ ተርእዮ እዩ ኢልና ኢና እንኣምን፡” ዝበለት ወሃቢት-ቃል ኤውሮጳዊ ኮሚሽን ፥ ኦስትርያ ነዚ ከምዘይትኽትመሉ ትገልጾ ዘላ ኣህጉራዊ ውዕል ክውን ኣብ ምግባር ወሳኒ ታራ ክትጻወት ምጽንሓ ኣዘኻኺራ።
TMP – 5/11/2018
ስእሊ፥ኣለክሳንድሮ ሚካይሊዲስ። ቻንስለር ኦስትርያ ሰባስትያል ኩርዝ ምስ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንምዝታይ ብ 17 ጥቅምቲ 2018 ናብ ብራስለስ፡ በልጅዩም ኣብ ዝኣተወሉ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ