ተወሰኽቲ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ካብ ኣህጉራዊ ውዕል ስደት የንሳሕባ

ዘይቀያዲ ምዃኑ ዝንገረሉ ውዕል ስድት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀጻሊ ዕንቅፋታት ይገጥሞ ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ዝተገልጸ ፡ ፖላንድ፡ ቸኽ ሪፓብሊክ፡ ቡልጋርያን ክሮኦሽያን ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ናይ’ዚ ዓመት ኣብ ሞሮኮ ንተግባራውነት ዝበቅዕ ውዕል ካብ ምኽታም ክቚጠባ ምዃነን ይገልጻ ብምህላወን’ዩ። እተን ኣርባዕተ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሃንጋሪን ኦስትርያን ኣቐዲሙ ዝተወስደ ተመሳሳሊ ስጒምቲ ብምስዓብ’የን ካብ’ቲ ውዕል ከርሕቓ ዝመርጻ ዘለዋ።

እተን ሃገራት፡ እቲ ኣህጉራዊ ውዕል ንስሩዕን ዘይስሩዕን ስደት ዝደባልቕ፡ ከምኡ’ውን ንልዑላውነት ሃገራት ኣብ ሕቶ ዘእቱ ከምዝኾነ እየን ዝገልጻ ዘለዋ። ነቲ ውዕል ዝድግፋ ሃገራት ግን፥ እቲ ውዕል ዘይቀያዲን ዋሕዚ ስደት ከተባብዕ ይዂን ደው ከብል ዘይዓለመን ምዃኑ እየን ዝምጉታ። ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሮስላቭ ላዣኽ ኣቐዲሙ ከምዝገለጾ’ውን ፡ እቲ ኣህጉራዊ ውዕል ኣብ ልዑላውነት ሃገራት ዝኾነ ጸቕጥን ምትእትታውን ዘይገብር ምዃኑ እዩ ሓቢሩ።

ብ 12 ሕዳር ነቲ ኣህጉራዊ ውዕል ከምዝይጽንበሮ ዝገለጸ ልፍንታዊ መንግስቲ ቡልጋርያ ፥ እቲ ውዕል ንሃገራዊ ረብሓ ቡልጋርያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከምዝኾነ’ዩ ሓቢሩ። “ ውሳኔ መንግስቲ ቡልጋርያ ነቲ ውዕል ዘይምጽንባር’ዩ፡” ይብል ምክትል ሓልፊ’ቲ ካብ ቀንዲ መራሒ ሰልፊ ‘ ጂ.ኢ.ኣር.ቢ’ ዝኾነ ዝቨታን ቬታኖቭ።

ቸክ ሪፓብሊክ ነቲ ውዕል ካብ ምኽታም ኽትዕቀብ መሪጻ ምህላዋ’ውን መንግስታውያ ምንጭታት እታ ሃገር ን ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም ኣለው።

ቸክ ሪፓብሊክ ፡ ሕጋውን ዘይሕጋውን ስደት ፈላሊኻ ኽረአ ንነዊሕ እዋን ክትጽውዕ ጸኒሓ፥” ዝበለ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሪቻርድ ባርበክ፡ እቲ ጠለብ ብሃገሩን ኻልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ብቐጻሊ ይጽዋዕ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ እዚ ተስሪዑ ዘሎ ኣህጉራዊ ውዕል ስደት ግና ነቲ ጠለብ እቲ ኣብ ግምት ዘየእተወ ምኻኑ ይገልጽ።  

ፖላንድ’ውን ካብ’ቲ ኣህጉራዊ ውዕል ከተንሳሕብ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ማቲዩዝ ሞራቪች ገሊጹ’ሎ። “ ልዑላውነትና ንምኽባር፡  ዶባትና ምውሓስን ዋሕዚ ስደት ምግታእን ንዓና ቀዳምነትና እዩ!” ይብል እቲ ፖላንዳዊ መራሒ።

ፕረዚደንት ክሮኦሽያ ኮሊንዳ ግራባር- ኪታሮቪች እውን ኣብ ልዕሊ እቲ ውዕል ቀጥታዊ ተቛውሞ ተስምዕ ምህላዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ። እታ ክሮኦሽያዊት መራሒት ፡ መንግስቲ ሃገራ ምስቲ ውዕል ክሰማማዕ ዋላ ይምረጽ ነቲ ውዕል ኽታማ ከምዘይተንብረሉ ምግላጻ መርበብ ሓበሬታ ዩሮኣክቲቭ ሓቢሩ።

ኣሜሪካ ካብ’ቲ ውዕል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናይ’ዚ ዓመት ብወግዒ ድሕሪ ምስሓባ፡ ኦስትራያን ሃንጋሪን ነቲ ስጒምቲ ዝተኸተላ ቀዳሞት ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት እየን።

ኢውሮጳዊ ሕብረት ነቲ በዘን ሽዱሽተ ኣባል ሃገራት ተወሲዱ ዘሎ ውሳኔ ተቛዊምዎ ኣሎ። ኣባላት እቲ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ስደትን ኻልእን  ኣብ ሓደ ግንባር ክሰምራ ዝጸውዐ ሓላፊ ኮሚሽን ኤውሮጳ ጀን-ክላድ ጃንከር፡ “ ሓንቲ ወይ ክልተ ሰለስተ ኣባላት እዚ ሕብረት ንኣህጉራዊ ውዕል ስደት ክርሕርሕኦ እንተመሪጸን፡ ንሕና ከም ኤውሮጳዊ ሕብረት ንሓባራዊ ረብሓና ደው ክንብል ኣይንኽእልን ኣለና ማለት’ዩ፡” ኢሉ።

ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኣህጉራዊ ስደት ሉይስ ኣርቦር ብወገኑ፡ እቲ ኣህጉራዊ ውዕል  ምሕደራ ምንቅስቓስ ሰባት ኣብ ዶባት ሃገራት ንምምሕያሽ ዝዓለመ ጥራይ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ነቲ ዛጊት ብ ሽዱሽተ ሃገራት ኤውሮጳ ዝረአ ዘሎ ካብ’ቲ ውዕል ናይ ምሕንጋድ ውሳኔ ወቒሱ።

እቲ ኣህጉራዊ ውዕል ኣብ’ቲ ብ 13 ሓምለ ናይ’ዚ ዓመት ዝተቓንዐ መበል 72 ርክብ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተነድፈ ኾይኑ፡ ኣብ ካልኣይቲ ሰሙን ናይ ዝመጽእ ወርሒ ታሓሳስ ኣብ’ቲ ኣብ  ሞሮካዊት ከተማ ማራክሽ ዝቃናዕ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ ክኽተም።

TMP – 21/11/2018

ስእሊ፥ ፕሮሺክ ራደኽ/ ሻተርስቶክ። ናብ ገርመን ንምብጻሕ ካብ ሃንጋሪ ናብ ኦስትርያ ዝሰግሩ ስደተኛታት። ጥቅምቲ 6፡ 2015.