(TIGRINYA) The Migrant Project Data Protection Policy
(Tig) ፖሊሲ ሓለዋ መረዳእታ ፕሮጀክት ስደተኛታት
ዝርዝር ሓበሬታኹም ብፌስቡክ ምስ ፕሮጀክት ስደተኛታት ምክፋል
እዚ ፖሊሲ ውልቃዊ ሓበሬታ እቲ ፕሮጀክት ስደተኛታት (ዘምፖ) ዝኾነ ይኹን ብሜታ ቅፅበታዊ ንዓና እተካፍሉዎ ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታ ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉን ከም ዝሕልዎን ይገልፅ።
እንታይ ዓይነት ሓበሬታ እዩ ዝእከብን ዝስራሕን?
ንሕና ካብቲ ባዕልኹም ብፌስቡክ/ኢንስታግራም፣ ብቅፅበታዊ ቅጥዒ ኣቢልኩም ዝሃብኩምና ውልቃዊ ሓበሬታ ኢና ንእክብን ነሰላስሎን ፤ ብፍላይ ድማ ስምኩም ፣ ዕድመ ፣ ቁፅሪ ስልኪ ፣ትነብርሉ ቦታ ከምኡ’ውን እቲ ባዕልኹም ኣብ ዝቕፅሉ 12 ኣዋርሕ ናብ ኤውሮጳ ክትስደዱ ንደሊ ዝበልክምዎን እዮም። ብተወሳኺ ብዛዕባ እቲ ቕጥዒ ዘቕረብኩምሉ ሰዓትን ዕለትን ከምኡ’ውን ቋንቋ ናይቲ ቕጥዒ እተቕርብሉ ገፅን ሓበሬታ ንእክብ።
እቲ ሓበሬታ ንመን እዩ ዝካፈል?
ሓበሬታኹም ነቶም እትሓቱዎ ኣገልግሎት (ማለት ብዛዕባ ስደት ዝምልከት ምምኻር) ንምውህሃድን ንምክያድን ዝጠልብዎ ሰራሕተኛታት ፕሮጀክት ስደተኛታት ጥራይ ኢና ክነካፍል። እዚ ድማ ንኣካያዲ ዳታ ፣ ኣማኸርቲ ስደትን ተቖፃፀርቶምን የጠቓልል። ሓበሬታኹም ንሳልሳይ ወገን ኣይነካፍልን ኢና።
እቲ ሓበሬታ ብኸመይ ንጥቀመሉ?
ሓበሬታኹም ነቲ ፍቓድ ዝሃብክምሉ ዕላማ ጥራይ ኢና ክንጥቀመሉ። ኣብዚ ነቲ ቅጥዒ ምስ ዝርዝር ሓበሬታኹም ብምሃብ ፤ ንክንረኽበኩምን ብኣማኻሪ ስደት ነጻ ምኽሪ ንኽንገብረልኩምን ተሰማዕሚዕኩም።
እቲ ሓበሬታ ኣበይ ይኽዝን?
እቲ ሓበሬታ ኣብ ውሑስ ጎግል ሺት ይኽዘን ምስ ኣድለይቲ ሰራሕተኛታት ጥራይ እዩ ዝካፈል። ኣብዚ ቅጥዒ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ሰነድ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ፍቓድ ብዘይብሎም ወገናት ኣይሕተምን፣ ኣይቕዳሕን ወይ ኣይከፋፈልን እዩ።
እቲ ሓበሬታ ንኽንደይ ግዜ ይኽዘን?
እንተስ ምሳኹም ምምኽኻር ብምክያድ ሕቶኹም ክሳብ እንፈትሖ ወይ ድማ ክንረኽበኩም ብዘይምኽኣልና ንሕቶኹም ብምስራዝ ወይ ድማ ድሕሪ ደጊም ምምኽኻር ከም ዘይትደልዩ ብተሌፎን ይኹን ብፌስቡክ ክሳብ ዘይሓበርኩምና ናይ ምምኽኻር ሓበሬታኹም ይኽዘን።
ንኣሰራርሓ ሓበሬታኹም ብዝምልከት እንታይ መሰላት ኣለኩም?
ኣብ ዝኾነ እዋን ብመንገዲ ፌስቡክ ብምርካብ ሓበሬታኹም ክነዐርዮ ወይ ክንድምስሶ ክትሓቱ መሰል ኣለኩም። ኣብዚ ሕጂ እዋን
ብዛዕባኹም እንታይ ዓይነት ሓበሬታ ከም ዝዓቀብና እውን ክትሓቱና ትኽእሉ ኢኹም።