ግሪኽ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ብዝተኸስተ ባርዕ ኣሽሓት ሰባት ብዘይመጽለሊ ተሪፎም
ኣብ ግሪኻዊት ደሴት ሌዝቦስ ዝርከብ ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ መዓስከር ስደተኛታት ብዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ፡ ልዕሊ 13,000 ስደተኛታት ብዘይ መጽለሊ ምትራፎም ተገሊጹ።
ንመሰረታዊ ጠንቂ ናይ’ቲ ኣብ ሞርያ ዝተባህለ መዓስከር ስደተኛታት ብ 8 መስከረም ዝተኸስተ ባርዕ ብዝምልከት ዛጊት ዝተረጋገጸ እኳ እንተዘየለ፡ ምክትል ሓላፊ ሲቪላዊ ድሕነት እቲ መዓስከር ዝኾነ ሚካሊስ ፍራተዝኮስ ከምዝሓበሮ ግን እቲ ባርዕ ኮነ ኢልካ ብሰባት ዝተመደበ ምዃኑ ኣንተንቢሁ ኣሎ።
ኣሽሓት ሰባት ዝርካቡ ንብረቶም ሒዞም ካብ’ቲ መዓስከር ከምዘርሓቚን፡ ሓያለ ካልኦት እዉን ብዝሰዓበ ብርቱዕ ትኪ ከፊላዊ ሃስያ በጺሕዎም ምህላዎምን እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ፡ ን ከባቢ 3,000 ስደተኛታት ከዕቊብ ኢሉ ዝተዶኮነ ክንሱ፡ ዝተዓጻጸፈ ብዝሑ ስደተኛታት ኪነብርዎ ዝጸንሐ እዩ።
TMP_ 11/09/2020
Photo credit: Shutterstock/Tolga Sezgin. Photo caption: Thousands of refugees and migrants are trying to enter Greece through the country’s eastern land border with Turkey. 30.02.2020 Edirne
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ