ኢጣልያ ዘድሓነቶም ስደተኛትታ ናብ ሊብያ ኽትመልሶም ከምእትኽእል ተፈራርሕ

ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ እንተዘይተቐቢለንኦም፡ ኢጣልያ ዘድሓነቶም 180 ስደተኛታት ናብ ሊብያ ኽትመልሶም ምዃና ኣፈራሪሓ።

ምስ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ስርሒት ምድሓን ህይወት ፍሮንቴክስ እትሰርሕ መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ዲቾቲ ምስቶም ብ16 ነሓሰ ዘድሓነቶም 177 ስደተኛታት ናብ ወደባት ኢጣልያ ኸይትኣቱ ተኸልኪላ

ኣብ ናይ ማልጣ ሓላፍነት ምድላይን ምድሓንን ዝዀነ ኽፋል ባሕሪ ኸምዝደሓኑ ብምጥቃስ፡ ኢጣልያ ንማልጣ ነቶም ስደተኛታት ክትወስዶም እኳ እንተሓተተታ፡ ማልጣ ግና እቲ ምድሓን ህይወት ሓላፍነታ ኸምዘይነበረ ብምግላጽ ሓላፍነት ትነጽግ ኣላ።

ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ማልጣ ጆዘፍ ሙስካት ዝወጸ መግለጺ፥ እታ ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ኣብ ሓደጋ ኸምዘይነበረትን፡ ሰራዊት ማልጣ ዘቕረበሎም ሓገዝ ከምዝነጸጉን ኣረዲኡ።

እቶም ስደተኛታት ሓገዝና ኸምዘየድልዮምን፡ ናብ ኢጣልያ፡ ናብቲ ዝተበገሱሉ ቦታ ኽበጽሑ ኸምዝደልዩን እዮም ገሊጾም።”

“ብሰብኣዊ መኽንያታት፡ እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ኽትጕዓዝ ከላ ሰራዊት ማልጣ ኸምዝተኸታተላ ሙስካት ይገልጽ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማልጣ ማይክል ፋሩጃ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ መርከብ ዲቾቲ ምስቶም ዝምልከቶም ኣወሃሃድቲ ምድሓን ህይወት ዝዀኑ ኣካላት ከይተራኸበት፡ ቅድሚ ናብ ማያት ኢጣልያ ምእታዎም ምእንቲ ኽትቅድሞም ኣብ ማያት ኢጣልያ ኸለዉ ኸምዘድሓነቶም ይኸስስ።

“ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ናይ ምንስፋፍ መሰላ ተጠቒማ እትጕዓዝ ንዝነበረት ጃልባ ምዕጋት ከም ምድሓን ህይወት ኣይቅውጸርን እዩ፡” ይብል ፋሩጃ።

“ኣብዚ እዋን እታ መርከብ ኣብ ግዝኣት ኢጣልያ ጥቓ ላምፔዱዛ እያ ዘላ፡” ይብል ፋሩጃ። ወሲኹ ድማ፡ “እቲ እንኮ ፍታሕ” እቶም ስደተኛታት ኣብ ወደብ ላምፔዱዛ ወይ ካልእ ኢጣልያዊት ወደብ ከምዝራገፉ ምግባር ምዃኑ ይገልጽ።

ኢጣልያ ነዚ ጉዳይ ከም ምድሓን ህይወት ክትሕዞ እንተደልያ፡ ላምፔዱዛ እታ ዝቐረበት ከዕርፉላ ዝኽእሉ ወድብ እያ፡” ይብል ፋሩጃ።

ድሕሪ መልሲ ማልጣ፡ ሚኒስተር መጕዓዝያ ኢጣልያ ዳኒሎ ቶኒኔሊ ንሕሉፍ ተግባራት ሰብኣዊ ምድሓን ስደተኛታት ሃገሩ ብምምጓስ፡ ኣብ ልዕሊ ማልጣ እገዳ ኽውሰን ጸዊዑ።

“ዲቾቲ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ኢጣልያ ኣብ ጉዳይ ምድሓን ህይወት ንድሕሪት ከምዘይትብል ዘርኢ እዩ፡” ኢሉ ቶኒኔሊ ኣብ ትዊተር።

“እንደገና፡ ማልጣ ዘርኣየቶ ተግባር ዘይቅቡልን ስጕምቲ ኽውሰደሉ ዝግብኦን እዩ።”

ወሲኹ፡ “ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ ጉዳይ ምትሕብባሩ ኸርኢ እንተዘይክኢሉ ምህላዉ ረብሓ የብሉን፡”  ይብል ቶኒኔሊ።

ሰልስተ መዓልቲ ድሕሪ እቲ ምድሓን ህይወት፡ ሚኒስተር ውሽታዊ ጉዳያት ማቴዮ ሳልቪኒ ንሃገራት ኤውሮጳ ስምዕታ ኣቕሪቡለን።

“ኤውሮጳ፡ ንኣብነት ነዞም ኣብ ዲቾቲ ዘለዉ ስደተኛታት ብምውሳድ ጀሚራ ምስ ኢጣልያ ደው ከምእትብል ከተርኢ ኣለዋ፡ ወይ ድማ ንስራሕ ኣስገርቲ ንኹሉ ግዜ ንምዕጋቱ ነቶም ስደተኛታት ናብ ሊብያ ኽንወስዶም ኢና፡” ብምባል የፈራርሕ ሳልቪኒ።

TMP – 06/09/2018

ስእሊ፡ ኢል ፋቶ ኮቲድያኖ። መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ዲቾቶ