ጀርመን ሓባራዊ ኤውሮጳዊ ፖሊሲ ዑቕባ ኽተኣታቶ ትምሕጸን
ማእከላይ ባሕሪ ንብ ዝዳወባ ሃገራት ኤውሮጳ ዘብል ዘሎ ብዝሒ ሓደስቲ ስደተኛታት ብዝለዓለ ናህሪ ይዛይድ ብምህላዉ፡ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ምቛም ሓባራዊ ፖሊሲ ዑቕባ ብሓንሳብ ክሰርሓ ከምዝግባእ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ሆርስት ሲሆፈር ተማሕጺኑ። እቲ ጀርመናዊ ሚኒስተር ወሲኹ፡ በዚ ዝቕጽል ዘሎ ተርእዮ ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ 2015 ዘጋጠሞ ቅልውላው ስደተኛታት ዳግም ከይክሰት ስግኣቱ ገሊጹ ኣሎ።
ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ብ 8 ጥቅምቲ ኣብ ላግዘንበርግ ተኣኪቦም ብዛዕባ’ቲ ናብ ኤውሮጳ ብፍላይ ድማ ናብ ግሪኽ ዳግም ዝበራበር ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘትዮም እዮም።
“ ነተን ኣብ ግዳማዊ ሸነኽ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘለዋ ሃገርት እንተራሕሪሕናየን፡ ሓባራዊ ኤውሮጳዊ ፖሊሲ ዑቕባ ክህሉወና ኣይክእልን’ዩ” ዝበለ ሚኒስተር ሲሆፈር፡ እዚ ሓባራዊ ፖሊሲ ክዉን እንተዘይኮኑ እዉን ኣብ’ዚ ሕብረት ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ቅልውላው ስደት ዳግም ኽኽሰት ልዑል ሓደጋ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ።
ጻውዒት ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ንሓባራዊ ኤውሮጳዊ ስርዓት ዑቕባ ሓደ ወርሒ ድሕሪ’ቲ መራሕቲ
ጥልያንን ፈረንሳን ኣብ ናይ ከተማ ሮማ ርክቦም ዘነጸርዎ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ
ሕብረት ንዝመጽኡ ሓደስቲ ስደተኛታት ብቕጽበት ክማቐልኦም ዘኽእል መስርሕ ክህሉ ዝጽውዕ ሓሳብ እዪ ዝስዕብ ዘሎ
ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ከባቢ 46,000 ስደተኛታት ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ግሪኽ ኣትዮም ኣለው ። ካልኣይቲ ዝለዓለ ቊጽሪ ስደተኛታት’ዚ ዕእመት ዝተቐበለት ሃገር ስጳኝእ ኮይና ከባቢ 30,000 ስደተኛታት ኣትዮማ ኣለው። ብዘይካ’ዚ 8,000 ናብ ጥልያን ፡ 1,600 ናብ ማልታ ፡ ኣስታት 800 ካልኦት ድማ ናብ ቆጵሮስ ኣትዮም ከምዘለዉ ይግለጽ።
ኤውሮጵዊ ሕብረት ናብ’ተን ምስ ምብራቓዊ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ ዝዳወባን ብቀጽሊ ዋሕዚ ሓደስቲ ስደተኛታት ዝጣርዓን ዘለዋ ኣባላት ሃገራት ተወሳኺ ገንዘባዊ ሓገዝ ክስልዕ ከምዝግባእ እየን ቆጵሮስ፡ ግሪኽን ቡልጋርያን ዝጽውዓ ዘለዋ።
መስመር ማእከላይ ባሕሪ ካብ ቀተልቲ መስመራት ጉዕዞ ንስደተኝእታት ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ፡ ኣብ 2019 ጥራይ ዛጊት ህይወት ልዕሊ 1,000 ስደተኛታት ኣብ ሰለስቲኡ ሸነኻት ናይ’ቲ መስመር ጠፊኡ ምህላዉ ይሕበር።
TMP 29/10/2019
ስእሊ፥ ቨርቨሪዲ ቫሲሊስ/ ሻተርስቶክ ኮም
ግሪኽ- ሚያዝያ 5, 2019፡ ኣማኢት ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኽትበጽሑ ክሳዕ ሰሜናዊ ዶብ ግሪኽ ተጓዓዝ ንዝብል ናይ ማሕበራዊ ሜድያ መልእኽቲ ኣሚኖም እንዳተኣኻኸቡ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ