ናይ ስደተኛታት ጃልባ ኣብ ማያዊ ገማግል ጥልያን ብምጥሓላ 13 ደቅንስትዮ ሞይተን፡ ሸሞንተ ትሕቲ ዕድመ ደሃዮም ጠፊኡ

ሓለዋ ባሕሪ ጥልያን ኣብ ማያዊ ከባቢታት ደሴት ላምፒዱዛ ብ 6 ጥቅምቲ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ ሬሳታት ናይ 13 ደቀንስትዮ ስደተኛታት ከምዝኣከበ ተሓቢሩ። እታ ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሳ ጸኒሓ ተወሰኽቲ ስደተኛታት ክትጽንብር ብገማግም ቱኒዝያ ዝሓለፈት ጃልባ ከባቢ 50 ስደተኛታት ኣሳፊራ ምንባራ እዮም ሰብ መዚ ጥልያን ዝሕብሩ። ሸሞንተ ትሕቲ ዕድመ ተሳፈርቲ ዛጊት ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ካብ’ታ ሓለዋ ባሕሪ ጥልያን ምስ ቀረቡዋ ተሳፊሮሙዋ ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ሓደ ሸነኽ ለዝተኣከቡ ተገምጢላ ዝጠሓለት ጃልባ 22 ሰባት ብህይወት ክድሕኑ እንከለዉ ፡ ሬሳታት ናይ’ተን ህይወተን ዝሰኣና ስደተኛታት ብመቕርብን ኣዝማድን ክልለ እንከሎ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ግዳያት ጓል 12 ዓመት ምዃና ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቶም ስደተኛታት ናይ መድሕን ጃኬት ከምዘይነበሮም ዝሓበረ ኢጣልያዊ ኣኽባር ሕጊ ሳልቫቶረ ቪላ፡ እታ ጃልባ ንማያት ማእከላይ ባሕሪ ክትሰግር ዝኾነ ብቕዓት ከምዘይነበራ ኣተሓሳሲቡ።

ንሱ ወሲኹ ዝበዝሑ እቶም ስደተኛታት ካብ ቱኒዝያን ሃገራት ትሕተ-ሳሃራን ምዃኖም ገሊጹ።

ሓለዋ ባሕርን ፖሊስን ጥልያን ካብ’ቶም ኣብ ገማግም ላምፔዱዛ ኣብ ሰዓታት ለይቲ ሓደጋ ጃልባ ዘጋጠሞም ስደተኛታት ናይ ርድኡና ጻውዒታት ተሌፎን ከምዝመጾም ይንገር። ደሴት ላምፔዱዛ ትሕቲ ሲሲሊ እትርከብ ሓያሎ ስደተኛታት ናብ ካልእ ክፋላት ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝመርጽዋ መናሃርያ ኮይና ዘላ ደሴት እያ።

መስመር ቱኒዝያ ጥልያን ካብ’ቲ ናይ ሊብያ ኣዚዩ ዝሓጽር እኳ እንተኾነ ሓደገኛነቱ ግና ዝለዓለ እዩ። ነቲ ናይ 6 ጥቅምቲ ሓደጋ ዝምርምሩ ዘለዉ ሰብ መዚ ጥልያን ከምዝሓበርዎ ፡ እቲ መስመር ካብ ዝሓለፉ ውሑዳት ኣዋርሕ ጀሚሩ በቶም ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ዝህቅኑ ስደተኛታት ተጠላብነት ኣዛይዱ ምህላዉ ይዛረቡ።

እቲ ናይ 6 ጥቅምቲ ሓደጋ ንቚጽሪ ናይቶም ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ስደተኛታት ናብ ልዕሊ 1,000 ኣዕሪጉዎ ከምዘሎ ፡ እዚ ድማ ክመጽኡ ንዝኽእል ተመሳሳሊ ህልቂት ንምግታእ ዝሓየለ ተበግሶ ኽውሰድ ዝደፍእ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ወሃቢ ቃል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቻርሊ ያዝለይ ድሕሪ’ቲ ሓደጋ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጽዎም ዘሎ ህይወት ስደተኛታት ናይ ምድሓን ስርሒታት ዳግም ክጅምሮ ጸዊዑ ኣሎ።

TMP 22/10/2019

ስእሊ፥ ናሲብ ደምሊት/ ሻተርስቶክ ኮም

ኣብ ገማግማዊ ማያት ላምፒዱዛ ናይ ስደተኛታት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሑዱ 13 ደቀንስትዮ ህይወተን ክስእና እንከለው 8 ትሕቲ ዕድመ ደሃዮም ዛጊት ኣይተረኽበን።