ፖሊስ ጀርመን ዝተሓብአ ዝጥረዝ ስደተኛ ንምሓዝ መዕቈቢ ስደተኛታት የጥቅዑ
ኤልቫንገን ኣብ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ደቡብ ጀርመዊት ዞባ ባድን-ቭዩርተንበርግ ዝርከብ መዕቈቢ ስደተኛታት፡ ብ 3 ግንቦት ኣማኢት ኣባላት ፖሊስ ኣጥቂዖሞ።
እቲ ሃንደበታዊ ኸበባ ድሕሪ ሳልስቲ ኻብቲ ተቐማጦ እቲ መዕቈቢ ሓደ ምስኣቶም ዝቐመጥ ካብ ቶጎ ዝመጸ ስደተኛ ንኸይጥረዝ ነቶም ክወስድዎ ዝመጹ ፖሊስ ዘተዓናቐፉሉ እዩ ተኻይዱ።
ተቐማጦ እቲ መዕቈቢ ኣኽቢቦም ምስደሃልዎምን ሓንቲ ኻብ መካይኖም ምስ ጨፍለቑሎምን፡ እቶም ፖሊስ፡ ነቲ ኽጥረዝ ዝተሓስበ ስደተኛ ለቒቖሞ ኸምዝወጹ ይገልጹ።
“ካብ 150 ክሳብ 200 ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብጐነጽ ስርሖም ካብ ምፍጻም ከልኪሎሞም፡” ይብል ቤርንሃርት ቬይበር ዝተባህለ ናይቲ ኸባቢ ላዕለዋይ ኣባል ፖሊስ።
“ኣብ ፈለማ ጸገም ኣይነበረን፡ እቶም ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ክብገሱ ምስደለዩ ግን ኣማኢት ሰባት ዓጊቶሞም፡” ይብል።
እቲ ዩሲፍ ኦ. ተባሂሉ ብማእከናት ዜና ዝተለለየ ወዲ 23 ዓመት ቶጎኣዊ ስደተኛ ኣብቲ ኸበባ ተታሒዙ እዩ።
ቬይበር፡ እቲ ስደተኛ ናብታ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ፈለማ እግሩ ዘንበረላ ኢጣልያ ኽጥረዝ ምዃኑ ይገልጽ። ብመሰረት ሕጊ ዑቕባ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ስደተኛታት ኣብታ ፈለማ ዝኣተውዋ ኣባል እቲ ሕብረት ዝዀነት ሃገር ዑቕባ ኽሓቱ ይግደዱ።
እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ጀርመን ብርቱዕ ፖለቲካዊ ጫውጫውታ ፈጢሩ ይርከብ።
“ከምቲ ኣብዚ ዝርኣናዮ ዘይሕጋዊ ቦታታት ክምዕብል ኣይነፍቅድን ኢና፥” ይብል ቬይበር።
“እዚ ነቶም ሕጊ ኣኽቢሮም ዝነብሩ ዜግታት ጽፍዒት እዩ፥” ይብል ዓቃባዊ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሆርስት ሰይሆፈር ነቲ ኣጋጣሚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘዳለዎ ጋዜጣዊ መግለጺ። “ናይ ዑቕባ መሰል ክደሃስ የብሉን።”
“ከምዚ ዝኣመሰለ ጠባይ ብምሉእ ሓይሊ ሕጊ ኽግጠም ኣለዎ፡” ድማ ይብል።
ሓንቲ ኻብ መራሕቲ ናይቲ ሕሉፍ ዓቃባዊ ኣጠማምታ ዘለዋ ሰልፊ ኣማራጺ ንጀርመን (AfD) ዝዀነት ኣሊስ ቬይደል፡ “ግዝኣት ሕጊ ብ‘ኣጋይሹ’ ይድሃስ ኣሎ። ገና፡ እዚ መጀመርታ ጥራይ እዩ፡” ትብል።
ኣብቲ ኸበባ 27 ሓተትቲ ዑቕባ ብተቓውሞ ኽከላኸሉ ኽፍትኑ ኸለዉ፡ ካልኦት ካብ መሳዅቲ ኽነጥሩ ተጐዲኦም።
ሓደ ኣባል ፖሊስ ዝርከቦም ኣርባዕተ ሰባት ኣብቲ ኸበባ ዘጋጠመ መቝሰልቲ ኽሕከመሎም ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ ኸለዉ፡ ሸሞንተ ኻልኦት ብረዳት ሓካይም ኣብቲ ቦታ ኽንክን ተጌሩሎም።
ፖሊስ፡ ምስ ስርቅን ኣወላፊ ኣፋውስን ብዝተኣሳሰር ገበናት ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ሓተትቲ ዑቕባ ኽሕዙ ኸለዉ፡ 17 ተቐማጦ ናይቲ 500 ኣፍሪቃውያን ሓተትቲ ዑቕባ ዝሕዝ መጽለሊ ናብ ካልእ መዕቈቢታት ክግዕዙ እዮም።
ኣብ ጀርመን ሓተትቲ ዑቕባ፡ ሕቶኦም ክሳዕ ዝምለሰሎም፡ ስራሕ ክሕዙ ይኹን ቋንቋ ጀርመን ክመሃሩ ወይ ዝዀነ ሞያዊ ስልጠና ኽወስዱ ኣይፍቀደሎምን ብምዃኑ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘብ ከናድዩ ይርኣዩ።
TMP – 29/05/2018
መደቀሲ ኣብ መዕቈቢ ስደተኛታት ክረፈልድ፡ ዞባ ባድን-ቭዩርተንበርግ፡ ጀርመን፤ 9 ለካቲት 2016።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ