ኣብ ካሌ ዘሎ ኩነታት ስደተኛታት በቶም ሰሙናዊ 20 ግዜ ዝካየዱ ዘለው ስርሒታት ፖሊስ ይብእስ
ኣሃዱታት ጸጥታ ፈረንሳ ነተን ኣብ ከባቢ ካሌ ብስደተኛታት ዝድኮና ናይ ቴንዳ መዓስከራት ኣብ ምጽራይ ዘካይድዎም ስርሒታት ኣብ ሰሙን ክሳዕ 20 ግዜ ብምብጽሑ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ስደተኛታት ብመንገዲ ባሕሪ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘብጽሖም ኣማራጺታት ሃስው ኽብሉ ይግደዱ ከምዘለዉ ተገሊጹ።
ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበራ ጋዜጣ ዘ–ጋርድያን ነቲ ኣብ ፈረንሳ ብዝነጥፋ ክልተ ትካላት ሰብኣዊ መሰል ስደተኛታት ብዛዕባ’ቲ ኣብ ካሌ ዝብእስ ዘሎ ሂወት ስደተኛታት ዘውጽእኦ እዋናዊ መጽናዕቲ ምርኩስ ገይራ ኣብ ዝዘርገሓቶ ጽሑፍ፡ ካብ ሕዳር 2017 ክሳዕ ሕዳር 2018 ኣባላት ጸጥታ ፈረንሳ 393 ቴንዳታት ናይ ምጽራግን ስደተኛታት ናይ ምቕያድን ስርሒታት ከምዘካየዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ወርሓት መስከረምን ጥቅምቲን ናይ’ዚ ዓመት ጥራይ ከባቢ 155 ስርሒታት ተኻይዱ። እቲ ኣሃዝ ካብ’ቲ ኣብ ወርሓት ሰነን ሓምለን ዝተመዝገበ ፍቕዲ ብ ሸውዓተ ዕጽፊ ዝዛየደ እዩ።
እቶም ብተደጋጋሚ ዝካየዱ ዘለዉ ስርሒታት ነቶም ኣብ ጫካታት ካሌ ተሪፎም ዘለዉ መብዛሕትኦም ዜጋታት ኣፍጋኒስታን፡ ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ከባቢ 1,500 ስደተኛታት ብዘይመጽለሊ ክተርፉን ኣብ ቃልዕ ጎደናታትን ትሕተ–ድንድላትን ክድቅሱን ጠንቂ ኾይኖም ኣለው።
እቲ እዋናዊ መጽናዕቲ፡ ቃላት–ምስክርነት ኣብ’ቲ ከባቢ ሕሱም መነባብሮ ናይ ዝሓልፉ ዘለው ስደተኛታት እዉን ሰኒዱ ኣሎ። ባህልቢ ዝተባህለ ወዲ 22 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ፡ ፖሊስ ፈረንሳ ቴንዳታቶም ስለዝመዝዕዎም ንሱን ብጾቱን ኣብ ቃልዕ ከባቢ ይድቅሱ ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ማእሰርትን መብረፍቲን ከየጋጥሞም ስለዝፈርሑ ካብ’ቶም ኣባላት ፖሊስ ቀጻሊ ከምዝሃድሙ ሓቢሩ።
“ምሸታዊ ፖሊስ ስለዘናድዩና፡ ቀሲንካ ምድቃስ ኣዚዩ ሓደገኛ’ዩ፡” ይብለ ናብ ብሪጣንያ ኽሰግር ንልዕሊ ሓደ ዓመት ፈቲኑ ዘይሰለጦ ወዲ 27 ዓመት ኻልእ ኤርትራዊ ስደተኛ።
ፓውል ሌስለር ዝተባህለ ኣባል ሓንቲ ካብ’ተን ነቲ መጽናዕቲ ዘዳለዋ ትካላት ሰብኣዊ መሰል ስደተኛታት ን ጋዜጣ ዘ–ጋርድያን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ካሌ ብ ‘ጭካ’ ዝጽዋዕ ዝነበረ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ 2016 ብመንግስቲ ፈረንሳ ድሕሪ ምዕጻው፡ ኩነታት ናይቶም ኣብ’ቲ ከባቢ እንዳተሓብኡ ክጸንሑ ዝመረጹ ስደተኛታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳበኣሰ ይኸይድ ምህላዉ የረድእ። “ሓያሎ ካብ’ቶም ስደተኛታት ልዕሊ 4 ሰዓት ክድቅሱ ኣይክእሉን እዮም። እዚ ዘስዕቦ ኣእምሮኣዊ ነውጺ ድማ ከቢድ’ዩ፡” ይብል ንሱ።
ኣብ’ቲ ከባቢ ዝወርድ ዘሎ ቀዝሒ እዉን ተወሳኺ ሽግር ይፈጥር ከምዘሎን ተርእዮታት ሃይፕተርምያ( ዝሕታለ ኣካላዊ ሙቑት) ይቀላቐል ምህላዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ። ኣካያዲት ስራሕ እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ሄልፕ–ረፊዩጂ ዝተባህለ ስደተኛታት ዝደጋገፍ ትካል ዝኾነት ማዲ ኣለን ፡ ድሮ ሕማም ዓባይ ሰዓል ኣብ ሰለስተ ስደተኛታት ተራእዩ ከምዘሎ ገሊጻ። ንሳ ወሲኻ ኣብ ካሌ ዝካየዱ ናይ ፖሊስ ስርሒታት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሮም ምህላዎም ኣቃሊዓ።
“እቶም ስርሒታት ነቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደ ቦታ ከይረግኡ ገይሮም ኣለው። ስደተኛታት ንከባቢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጠቕሞም ዝኽእል ዝነበረ መጽለሊ ቴንዳ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ይሕደጉ ኣለው። እቲ ከባቢ ልዕሊ ኻልእ እዋን ተኣፋፊ ኮይኑ’ዩ ዘሎ፡” ትብል ንሳ።
ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ብኣባላት ፖሊስ ዝወርድ ዘሎ ዓመጻት ይዛይድ ምህላዉ ዝጠቐሰ እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ ጥራይ ከባቢ ሓደ ሽሕ ጥርዓናት ካብ ስደተኛታት ከምእተሰነደ ይሕብር። 244 ካብ’ቶም ጥርዓናት ብኣባላት ፖሊስ ተገሪፍና ብዝበሉ ስደተኛታት ዝተመስረቱ እዮም።
እቲ ኣብ ካሌ ዘሎ ኩነታት ንሓያሎ ስደተኛታት ብ መስመራት ማይ ናይ ብሪጣንያ ክሰልኲ የገድድ ኣሎ። ጋዜጣ ዘ–ቴሌግራፍ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ብዘስፈረቶ ጽሑፍ መሰረት ፡ ሰብ–መዚ ፈረንሳ ስደተኛታት ጽዒነን ናብ ገማግም ማያት ብሪጣንያ ክበጽሓ ዝተበገሳ 28 ጀላቡ ክገትእ እንከሎ፡ ልዕሊ 110 ስደተኛታት ድማ ኣብ ገማግማዊ ማያት ብሪጣንያ ከምዝተታሕዙ ተፈሊጡ።
TMP – 07/12/2018
ስእሊ፥ ኤድዋርድ ክሮፎርድ/ ሻተርስቶክ። ካሌ፡ ፈረንሳ 28 ጥቅምቲ 2018፡ ፖሊስ ፈረንሳ ነቲ ዝተዓጽወ ብ ‘ጫካ’ ዝጽዋዕ መዓስከር እንዳሓለው።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ